 
                ሓይልታት ዳዕመል ሰሪዕ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝሓዝዋን ኣብ ምዕራብ ዞባ ሱዳን ኣብ ትርከብን ከተማ ኤል ፋሸር፡ ኣብ ልዕሊ ብረት ዘይሓዙ ሲቪል ዜጋታት ከቢድ ግህሰት ሰባኣዊ መሰላትን ቅትለትን ከምዝፈጸሙ፡ ብቪዲዮ ዝተሰነየ ሰነዳት ኣረጋጊጹ።
ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕን ሰራዊት ሱዳንን ንዝሓለፈ ልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ዲቕ ዝበለ ኲናት ሓድሕድ’ዮም ተጸሚዶም ኣብ ዘለውሉ ሰዓት፡ ኣብ ሱዳን ከቢድ ግህሰት ሰባኣዊ መሰላት ይፍጸም ምህላው ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሓይሊ ዳዕመል-ሰሪዕ ንነዊሕ ኣዋርሕ ኣብ ከበባ የእትዩዋ ንዝጸንሐ ከተማ ኣልፋሻር፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ድሕሪ ምቁጽጻሩ ዝተፈጸመ ቅትለት ልዕሊ 2ሽሕ ንጹሃን ዜጋታትን፡ ዝተራእየ ናይ ቪድዮ ግፍዕታት ግን፡ ኣቀዲሙ ካብ ዝተሰነደ ግህሰታት ኣሰቃቒ ኮይኑ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ኣብ ከተማ ኣልፋሻር ወተሃደራዊ ክዳን ዳዕመል-ሰሪዕ ዝገበሩ ዕጡቓት፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ግፍዒን ቅትለትን እናፈጸሙ ዝተዘርግሐ ቪድዮታት፡ ኣዝዩ ኣስካሕካሒ ካብ ምኳኑ ዝተላዕለ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ኣዛራቢ ኮይኑ ምህላዉን፡ ዓለም ጉዳይ ሱዳን ቆላሕታ ክትህቦን ዝሓትት ጻውዒት ክበዝሕ ጌሩ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣወሃሃዲት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕተት ውን፡ ቅትለት ሲቪላውያን ዘረጋግጽ ጸብጻባት ምህላው ምግላጻ ዝፍለጥ”ዩ።
ቀንዲ ኣማኻሪ እቲ ዕጠቕ ጕጅለ ኢምራን ዓብደላ፡ ብሰኑይ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ቅትለት ይፍጽሙ ኣለዉ ንዝብል ክሲ፡ ጸለመ”ዩ ብምባል ክነጽጎ ዝተሰምዐ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ሰራዊት እቲ ዕጡቅ ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ሲቢል ዜጋታት ቅትለት እንዳፈጸሙ ዘሪኢ ቪዲዮታት ድሕሪ ምዝርግሑ ግን፡ ዳዕመል ሰሪል ፈጸምቲ ገበን ኣብ ምቅያድ ምህላዉ ክገልጽ ከምዘገደዶ”ዩ ዝእመን።
ሰራዊት ሱዳንን ዕጡቓት ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕን፡ ኣብ 2023 ናብ ኲናት ካብ ዘምርሑ ክሳብ ለይቲ ሎሚ፡ ልዕሊ 150 ሽሕ ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቀትሉ፡ ልዕሊ 12 ሚልዮን ውን ካብ ቤት ንብረቶም ክፈናቐሉ ከምዝተገደዱ ጸብጻብ ውድብ ሕብራት ሃገራት ዘረጋግጽ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዳዕመል-ሰሪዕ ኣብ ዛኣተወት ከተማ ኣልፋሻር ዝተፈጸመ ገበናትን ብቪዲዮ ዝወጸ ሰነዳትን ኲናት ግን፡ ንማሕበረሰብ ዓለም ከቢዕ ቁጥዐ ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ኣወሃሃዲት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ደኒሰ ብራውን፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየደቶ ቃለመሕትት፡ ዕጡቃት ዳዕመ ሰሪዕ ናብ ከተማ ኤል ፋሸር ካብ ዛኣቱው ኣትሒዞም፡ ብረት ዘይዓጠቑ ደቂ ተባዕትዮ ብጅምላ ይቕተሉ ምህላዎም ዝገለጸት ኮይና፡ ብረት ዘይሓዙ ሰባት ምቕታልን፡ ንሰለማውያን ዜጋታት ከም ምሩኻት ምሓዝን፡ ብመሰረት ውዕል ጀኔቫ ከም ገበን ኲናት ከምዝሕሰብ”ያ ትገልጽ።
ኣቀዲሙ ክኽሕድ ዝፈተነ ዳዕመል -ሰሪዕ፡ ድሕሪ”ዚ ኣብ ልዕሊ 2ሽሕ ዜጋታት ዝተፈጸመ ገበናት ኲናትን፡ ብቪዲዮ ዝተታሕዘ ሰነዳትን ብርክት ዝበለ ኮነነ ክበጽሖ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ኣብቲ ቪዲዮ መንነቶም ንዝተረጋገጸ ልዕሊ 30 ዝቁጽሮም ፈጸምቲ ገበን ናይ ምእሳር ስጉምቲ ይወስድ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
 
                     
                     
                     
                     
                     
                    