 
                መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ናይ 5ተ መዓልታት ዑደት ንምፍጻም ናብ ግብጺ ከምዝገሸን ምስ ፕረዚደንት ዓብደል ፋታሕ ኣ’ሲሲ ተራኺቡ ከምዝዘተየን ተገሊጹ።
ኣብ ርክብ ውልቀመላኺ ኢሰያስን ፕረዚደንት ኣልሲሲን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር በድር ዓብደል-ዓቲን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጉጅለ ህግደፍ ዑስማን ሳልሕ መሓመድን እውን ከምዝተረኸቡ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ፡ ዑደት ውልቀመላኺ ኢሰያስ ምስ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝተሓሓዝ ዓቢ ትርጉም ክህልዎ ከምዝኮነ”ዩ ዝእመን።
ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል’ሲሲ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ናብ ግብጺ ከምዝገሸ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ተሰንዩ ናብ ግብጺ ዛኣተወ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ጽንብል መመረቕታ ዓቢ ህንጻ ቤት መዘክር ክሳተፍ ምኳኑ”ኳ እንተተገልጸ፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍን ግብጽን ኣብ ምፍጣጥ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ቀንዲ ማእከል ርክባቶም ክኸውን ከምዝኮነ”ዮም ብዙሓት ዝሰማምዑ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ውልቀመላኪልኺ ኢሰያስ፡ ምስ ፕረዝደንት ግብጺ ኣል’ሲስ ኣብ ቤተ- መንግስቲ ተራኺቡ ሰፊሕ ዝርርብ ከምዘካየደ መንግስታዊ ማዕከን ሓበሬታ ግብጺ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ ክልትኣውን ዞባዊን ዛዕባታት ብሓንሳብ ንምስራሕን፡ ብተወሳኺ ኣብ ጉዳይ ሱዳንን ሶማልያን ክገብሩዎ ዝጸንሑ ምትሕግጋዝ ብሰፊሑ ክቕጽልን ኣብ ምርድዳእ ምብጽሖም”ዩ ዝጠቅስ።
ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ኣብ ጸጥታ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ እውን እንተኮነ ምስ ግብጺ ሓቢሩ ብምስራሕ ምስ ፕሬዚደንት ኣልሲሲ ከምዝተሰማምዐ ዝጠቀሰ እቲ መንግስታዊ ሓበሬታ፡ ግብጺ ሉኣላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ንምዕቃብ ከምእትሕግዝ”ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ውልቀመላኺ ኢሰያስን ጉጅልኡ ጉጅለ ህግደፍን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ግብጺ ጽቡቕ ዝምድና ከምዘሎ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብፍላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ጉርፍጥ ካብ ዛኣቱ ንንየው፡ ግብጺ ቀንዲ መሻርኽቲ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኮይና ምህላው”ዩ ዝንገር።
ውልቀመላኺ ኢሰያስ ዝሓለፈ ዓመት ውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ግብጺ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ከምዘካየደ ዝዝከር ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ኣል’ሲሲ ውን ብወገኑ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓሙዱ ብዘቅረበሉ ዕድመ መሰረት፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ሰዓታት ዑደት ከምዘካየደን፡ ምስ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ውልቀመላኺ ኢሰያስን ብምኳን ውን ስሉሳዊ ኪዳን መስሪቶም ምንባሮም ይዝከር”ዩ።
 
                     
                     
                     
                    