 
                ጉጅለ ህግደፍ ብመንገዲ ሚኒስተር ዜና የማነ ቻርሊ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ቀጥታዊ ግብረመልሲ፡ ኣብ 28 ጥቅምቲ ንዝቐረበ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ “እዋጀ ሕማም ምስፍሕፋሕ ንዓሰብ ቀይሕ ባሕሪ” ብምባል ኮኒኑ።
ሚኒስተር ዜና ጉጅለ ህግደፍ የማነ ቻርሊ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ዝተጸፍየ “ኣዋጅ ሕማም ምስፍሕፋሕ ዓሰብ” ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተጋህደን፡ ሓደገኛ እናዀነ ይመጽእ ምህላዉ ዘመልከተ ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ዝቐርብ ዘሎ ምጕትን ኣድላይነት ምምጥጣር ናብ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪን፡ ምስ ኵነታት ጻዕቂ ብዝሒ ሕዝቢ ተኣሳሲሩ ይቐርብ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ተቀባልነት ዘይብሉ ሕማም ምስፍሕፋሕ ምኳኑ”ዩ ብዂነነ ከረድእ ዝፍትን።
ኣብ ዓሰብ ዘሎ ውሑድ ህዝቢ፡ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣመና ጽዑቕ ህዝቢ እንክነጻጸር፡ ኣመና ስሑው ምዃኑ ንዘረድእ ቃላት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ከም ኣብነት ዘቀመጠ የማነ ቻርሊ፡ “እንተስ ብዝርርብ እንተስ ብወተሃደራዊ ወራር” ወደብ ንምጕባጥ ዝስማዕ ዘሎ ነድሪ መጎታውነት ዘይብሉ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መግለጺኡ፡ ብጉዳይ ተጠቃምነት ወደብ ዓሰብ፡ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ዝርርብ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ከምዝተገብረ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ተሰማሚዕና፡ ካብዚ ናብ ዓሰብ ዝኸይድ ጽርግያ ጸጊንና፡ ሎሚ ጽባሕ ክኽፈት”ዩ ኢልና እንዳተጸበና፡ እቲ ወደብ ተዳኺሙ”ዩ ክሰርሕ ኣይክእልን”ዩ ተባሂልና ድሕሪ ምባሉ”ዩ፡ ህግደፍ ነቲ ስም ኢትዮጵያ ዝተገብረ ስምምዓት ኩሉ ኣብ ማይ ከምዘእተዎ”ዩ ዝኸስስ።
ወደብ ዓሰብ ሽግር ኣለዎ ስለዝበሉ፡ ካብ ሓንቲ ፈታዊት ሃገር ለሚንና፡ ጀነሬተርን ክሬንን ብሓገዝ ናብ ኤርትራ ከም ዝኣቱ ገይርና ዝበለ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ወደብ ዓሰብ ምስ በጽሐ ጉጅለ ህግደፍ ኣየድልየንን”ዩ ኢሉ ምስ መለሶ ግን፡ ጉዳይ ወደብ ዓሰብ ተስፋ ከምዘይብሉ ተረዲኡኒ ክብል”ዩ ዝገልጽ።
ልክዕ ከም ሱዳን ጅቡትን ብናትና ወጻኢታት፡ ንኤርትራ ውን ጸዓት ኤሌክትሪክ ክንህበኩም፡ ጀነሬተር ኣይትጠቐሙ እንተበልናዮም ውን፡ ክንሓስበሉ ኢና ዝብል መልሲ”ዮም ሂቦሙና ዝበለ ኣብይ፡ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ስምምዓት ንምዕዋት ፍጹም ድሉውነት ከምዘይነበሮ”ዩ ዝገልጽ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ፡ ኣብቲ ንጉዳይ ቀይሕ ባሕሪን ወደብ ዓሰብን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ሰፊሕ መደሩኡ፡ ቁርቑስ ጉጅለ ህግደፍን ሰልፊ ብልጽግናን ከምቲ ንብዙሓት ዝመስሎም ብሓደ ለይቲ ዝተወለዐ ኣይኮነን ዝበለ ኮይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ከምዘሎ ነጊረኩም፡ ዓሰብ ኬድና ኣብ ዝረኣናዮ ሰዓት ውን ገዛ እምበር ሰብ ስለዘይነበሮ፡ ነዚ ከተማ ህይወት ንዝርኣሉ፡ ስራሕ ብምፍጣር እዩ ህይወት ዝረክብ፡ ኢልና ሓሳብና ኣቅሪብና ኢና ድሕሪ ምባሉ፡ ጉጅለ ህግደፍ ግን ዛጊት ንጹር ብዘይኮነ ምኽንያት ንጉዳይ ወደብ ዓሰብ ኣመልኪቱ ግብረመልሲ ክህብ ድሉው ከምዘይነበረ”ዩ ዝገልጽ።
ጉዳይ ወደብ እሞ ይትረፍ፡ ዝኸፈትናዮም ኣፍደገ ዶባት ውን ብኡ ንብኡ”ዮም ተዓጽዮም ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ጉዳይ ምዕጻው ዶባት ኢትዮኤርትራ ውን ውሳነ ጉጅለ ህግደፍ ምኳኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ጉጅለ ህግደፍ ብኩሉ መንገድታት ድልዉነት ንሓባራዊ ዕብየት ከምዘይነበሮ”ዩ ዝከስስ።
 
                     
                     
                     
                    