ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝብታት ኢትዮጵያ ቀሪቡ፡ ንህወሓትን ትግራይን ኣመልኪቱ ንዘስምዖ መደረ፡ ሓደገኛ ሳዕቤን ዘከትል ትርጉም ከምዘለዎ ብምጥቃስ ኮኒኑ።
ውድብ ህወሓት ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ቅድሚ ሸምገልቲ ሃገራትን ኣህጉራዊያን ትካላትን ዝፈረሞ ስምምዕ ውዕል ፕሪቶሪያ፡ ትርጕም ናብ ዘይብሉ ደረጃ ንምውራድ ክሰርሕ ምጽንሑ ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ብምጥሓስ ኵሎም ወረርቲ ሓይልታት ካብ ግዝኣት ትግራይ ክወጹ ኣብ ርእሲ ዘይምግባሩ፡ ዝያዳ ክዕጠቑን ክጠናኸሩን ይገብር ምህላዉ ድሕሪ ምጥቃስ፡ መንግስቲ ፈደራል ተጋሩ ናብ ግጭት ሓድሕድ ዛኣትውሉ ኩነታት ንምፍጣር፡ ኣብ ክልላት ብምውዳብን ብምዕጣቕን፡ ትግራይ ንምህዋኽ ይስራሕ ምህላዉ”ዩ ዝኸስስ።
ህወሓት ኣብ መግለጺኡ፡ ህዝቢ ትግራይን ውድቡን ኩሉ ዓይነት ጸገማት ብመስርሕ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንኽፍትሑ ክሰርሑ ምጽንሖም ዝጠቐሰ ኮይኑ፡ ባኣንጻሩ መንግስቲ ፈደራል ግን፡ ተኹታኺ ተግባራት ብምፍጻም ውዕል ፕሪቶርያ ዘፍርስ ሓደገኛ መንገዲ መሪጹ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
ብሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ኣፍልጦኡ ዝተሰረዘ ህወሓት ኣስዒቡ፡ መንግስቲ ፈደራል ሕጋዊ ሰብነት ውድብ ህወሓት ናብ ተራ ቴክኒካዊ ጉዳያት ኣውሪዱ ብምጥማት፡ ንመንፈስ እቲ ስምምዕ ክዘርግ ምጽንሑ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ውን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካልእ ጥፍኣት ንምፍጻም፡ ኣብ ፈኸራን ናይ ጸለመ ፕሮፓጋንዳን ተጸሚዱ ምህላዉ”ዩ ዝነቅፍ።
ህወሓት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ሕጋዊ ፖለቲካዊ ውድብ ዝነበሮ ኣፍልጦ፡ ኣብ ትግራይ ንዝተወልዐ ደማዊ ኲናት ስዒቡ ምክሳሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ ብፓርላማ እታ ሃገር ካብ ዝርዝር “ኣሸባሪ ጕጅለ” እኳ እንተተሰረዘ፡ ሕጋዊ ኣፍልጡኡ ዳግማይ ከረጋግጽ ከምዘይከኣለ”ዩ ዝንገር።
ንኣፍልጦ እቲ ውድብ ከምዝሰረዘ ወግዓዊ ዝገበረ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ህወሓት ኣብ ዕጥቃዊ ጎነጽ ተሳቲፉ’ዩ ዝብል ክሲ፡ ከም ምኽንያታውነት ዘቅርብ ኮይኑ፡ ድሒሩ ምስ መንግስቲ ፈደራል ብዝተገበረ ተደጋጋሚ ዝርርባት ግን፡ ኣፍልጦኡ ክምለስ ኣብ ምርድዳእ እኳ እንተተበጽሐ፡ ህወሓት ዝቀደመ መንነቱ ገዲፉ ከም ሓድሽ ውድብ ክምዝገብ ዝቀረበ ሕቶ ግን ኣካታዒ ኮይኑ ምጽንሑ ውን ዝፍለጥ”ዩ።
ስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦኦ ፕሪቶርያ፡ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ዝተፈጸመ ውዕል እናሃለወ፡ ካብ ትካላዊ መስርሕ ወጻኢ ናብ ናይ ውልቀሰባት ዘተን ፊርማን ዝወሰዱሉ ኣገባብ ኣብ መግለጺኡ ዝኮነነ ውድብ ህወሓት፡ እቶም ብወገን ትግራይ ኣብቲ ውዕል ዝተሳተፉ ኣካላት፡ ኣፈጸምቲ ብመንግስቲ ትግራይ ዝተወሃቦም ተልእኾ እምበር፡ ዋናታት እቲ ውዕል ከምዘይነበሩ ዘነጽር።
ኣብይ፡ ኣብቲ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዘስምዖ ዘረባ፡ ዝወለደት ኣደ እናሃለወት ዝሓቘፈት ኣደ እየ በለት ዝብል ምስላ ብምጥቃስ፡ ተላዘብትን ዋናታትን እቲ ውዕል ኣብዚ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ጌታቸውን ጻድቃንን እምበር፡ ኣብ ትግራይ ዘለው መራሕቲ ህወሓት ከምዘይኰነ ዘመልክት መልእኽቲ ምሕላፉ ዝዝከር ኮይኑ፡ ፕሪቶሪያ ምስ ጀነራል ጻድቃን፣ ጌታቸው ረዳን ኣሰፋ ኣብርሃን ኢና ተዘራሪብና፡ ብወገን ትግራይ ቀንዲ ፈረምቲ ውን ንሳቶም”ዮም ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ ኣብቲ ቦታ ዘይነበሩን ንፕሪቶሪያ ዘይፈልጡን ገለ ውልቀሰባት ግን፡ ስምምዕ ውዕል ፕሪቶርያ ነኽብር ይብሉ ኣለዉ” ብምባል ንሰበስልጣናት ውድብ ህወሓት ምትንካፉ ዝዝከር”ዩ።
ኣብይ፡ ኣብ ውዕል ምቁራጽ ተጻቦኦ ፕሪቶርያ፡ ዝነበረ ዘይሕጋዊ መንግስቲ ምፍራስ፡ ምትካል ግዚያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ፡ ከሙኡ ውን ምጥያስ ኣባላት ሰራዊት ዝብሉ ነጥብታት ምንባሮም ብምጥቃስ፡ ህወሓት ንዝገብሮ ዘሎ ወተሃደራዊ ስልጠናን ካልእን ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ዝኮነነ ኮይኑ፡ ንቃላት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብተመሳሳሊ መልክዕ ዝኮነነ ውድብ ህወሓት ብወገኑ፡ መን ፈሪሞም ዘይኮነስ ዝተፈረመ ኣብ ተግባር ተፈጺሙ”ዶ ዝብል ነጥብታት ቀዳምነት ክምለስ ከምዘይለዎ”ዩ ዝኸስስ።