ምምሕዳር ትራምፕ ቀጽሪ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዝፍቀደሎም ስደተኛታት፡ ናብ 7,500 ክወርድ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ንጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ቀዳምነት ክህቦም ምዃኑ ገሊጹ።
እዚ ትማሊ ሓሙስ ዝወጸ ሓድሽ ውሳነ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ካብቲ ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን ዘቐመጦ ናይ 125 ሽሕ ገደብ፡ ብ ኣዝዩ ዓቢ ቁጽሪ ዝጎደለ ምኳኑ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ውን፡ ንስደተኛታት ዝተዋህበ ዝነኣሰ ቁጽሪ ተባሂሉ ክስነድ ከምዝኮነ”ዩ ዝንገር።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ንምንካይ ዓቢ ቁጽሪ ስደተኛታት ኣመልኪቱ ዝኾነ ምኽንያት እኳ እንተዘይሃበ፡ ብሰብኣዊ ጉዳያት ወይ ውን ንሃገራዊ ረብሓ ኣብ ግምት የእትዩ ዝተወሰነ ምኳኑ ዝገልጽ ኮይኑ፡ ትራምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ ንፕሮግራም ምቕባል ስደተኛታት ኣመሪካ፡ ወይ ውን ፕሮግራም ምቕባል ስደተኛታት ኣመሪካ መስርሕ ምዝገባ ደው ንምባል ፈጻሚ ትእዛዝ ድሕሪ ምሃቡ፡ ውሳነ ሰበስልጣን ኣመሪካ ንሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካን ዜጋታታን ኣብ ግምት ዘእተወ ውሳነ ምኳኑ”ዩ ክንገር ጸኒሑ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝነበረ ግዚያት ዝተሓተ ገደብ ምቕባል ስደተኛታት ኮይኑ ዝተመዝገበ፡ ኣብ እዋን ቀዳማይ ስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ 2020 ዝተቐመጠ ኮይኑ፡ ኣብ 2021 15 ሽሕ ስደተኛታት ንምቅባል ተወሲኑ ምንባሩ”ዩ ሰነዳት ዘረጋግጽ።
እቶም 7,500 “ብቐንዱ” ንኣፍሪቃውያን ደቡብ ኣፍሪቃውያንን “ኣብ መበቆል ሃገሮም ዘይሕጋዊ ወይ ዘይፍትሓዊ ኣድልዎ ዘጋጠሞም ሰባትን” ክምደቡ ምዃኖም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፌደራል መዝገብ ዝተዘርግሐ ምልክታ ይሕብር።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ለካቲት ንደቡብ ኣፍሪቃ ዝህቦ ዝነበረ ወሳኒ ሓገዝ ደው ኣቢልዎ። ብተወሳኺ ኣባላት ማሕበረሰብ ኣፍሪቃውያን (መብዛሕትኦም ጸለምቲ ዘርኢ ናይቶም ነበር ሰፋሮ ሆላንዳውያንን ፈረንሳውያንን) ከም ስደተኛታት ኣብ ኣመሪካ ክሰፍሩ ክፈቅድ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።
ኣምባሳደር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዋሽንግተን ኢብራሂም ራስል፡ “ዓሌታዊ ልዕልና ኣለዓዒሉ”ን “ግዳይነት ጸለምቲ ከስፋሕፍሕ ፈቲኑ” ብዝብል ብትራምፕ ተባሪሩ።
ኣብ ወርሒ ግንቦት ትራምፕ ኣብ ኦቫል ኦፊስ ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ ኣብ ሃገሩ ጸለምቲ ሓረስቶት ይቕተሉን “ይስደዱን” ከምዘለዉ ገሊጹ ነይሩ።
ዋይት ሃውስ ብተወሳኺ ዝተቐትሉ ጸለምቲ ሓረስቶት ዝቕበሩሉ ቦታታት ዘርኢ እዩ ዝበሎ ቪድዮ ኣውጺኡ። እቶም ቪድዮታት ኣብ 2020 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝተተኽሉ መስቀላት ዘርእዩ ኮይኖም፡ ቅድሚ ሕጂ ዝሞቱ ሓረስቶት ንምዝካር ዝተተኽሉ እዮም።
እቲ ወጥሪ ዝመልኦ ኣኼባ፡ ኣመሪካ ን60 ኣፍሪቃውያን ዑቕባ ድሕሪ ምሃባ ድሕሪ ሒደት መዓልታት እዩ ተፈጺሙ።