ትማሊ ሰንበት 2 ሕዳር 2025፡ ምስ ክልል ዓፋር ኣብ ዘዳውብ ኣብ ከባቢታት ራያ ዓዘቦ፡ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን ዕጡቃት ሓራ መሬትን ተኩሲ ከምዝተወለዐ ላንዳ ሪፖርት ገሊጹ።
እቲ ትማሊ ዝተወለዐ ግጭት፡ ግዚያዊ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልልን ካሎኦት ኣካላትን ኣብ ዝተረክብሉ ኣጋጣሚ ኣብ ደቡብ ትግራይ ራያ ዓዘቦ ዑደት ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ ሰዓት ዝተፈጥረ ምኳኑ ዝገለጸ ላንዳ፡ ምስ ክልል ዓፋር ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ራያ ዓዘቦን ወጀራትን ንሓጺር ሰዓት ዝቀጸለ ቶክሲ ከምዝተሰምዐ”ዩ ዝገልጽ።
እቲ ግጭት ኣብ ሞንጎ ብTDF ዝፍለጡ ሓይልታት ትግራይን፡ ብTPF ዝፍለጡ ሓይልታት ሓራ መሬትን ዝተወለዐ ምንባሩ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ነዊሕ ሰዓታት ከይወሰደ ደው እኳ እንተበለ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ግን ከቢድ ቑጠዐ ፈጢሩ ምህላው”ዩ ዝገልጽ።
ብዛዕባ”ቲ ዝነበረ ኩነታት ኣመልኪቱ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ንላዕለዋይ ኣዛዚ ዕጡቃት ሓይልታት ሓራ መሬት ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ ወደ”ንጥሩ ዘዘራረበ ላንዳ ሪፖርት፡ እቲ ቶክሲ ሰዓት 5 ወጋሕታ ኣቢሉ ከምዝጀመረን፡ ምስ መገሻ ታደሰ ወረደ ናብ ራያ ዓዘቦ፡ ጸጥታ ንምህላው ተበሂሉ ዝተመርጸን ስጉምቲ ክኸውን ከምዝኽእል ድሕሪ ምግላጹ፡ ዕጡቃት ሓራ መሬት ኪንቶ”ቲ ንዝተፈነወሎም መጥቃዕቲ ንምምካት ዝወሰድዎ ስጉምቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕቲ ከምዘይጀመሩ”ዩ ወደ”ንጥሩ ዝገልጽ።
ብወገን ሰራዊት ትግራይ ውን፡ ስሙ ዘይተገልጸ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ዝኮነ ጀነራል፡ ንላንዳ ሪፖርት ቃሉ ዝሃበ ኮይኑ፡ እቲ ንዕጡቃት ሓራ መሬት ሸፋቱ ክብል ዝገለጾም ጀነራል፡ ኣብ ከባቢታት ገረብ ኣገውን ጸሓርትን ናብ ሰራዊት ትግራይ ቶኪሶም ምህዳሞም ድሕሪ ምግላጹ፡ ሰራዊት ትግራይ ግብረመልሲ ዝህበሉ ጉዳይ ከምዘይኮነን፡ ኣንፈት ናይቲ ሰራዊት ውን ምስቶም ሸፋቱ ዝበሎም ሓይልታት ምቅላስ ከምዘይኮነን”ዩ ዝገልጽ።
እቲ ትማሊ ኣብ ሞንጎ TDFን TPFን ዝተፈጸመ ምልውዋጥ ቶክሲ፡ ውዕል ምቁራጽ ተጻቦኦ ፕሮቶርያ ካብ ዝፍረም 3ይ ዓመቱ ኣብ ዝመላኣሉ ግዜ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ ኣብ ሞንጎ”ቶም ምስ ህወሓት ዝጥርነፉ ሓይልታት ሰራዊት ትግራይን፡ ኣብ ትግራይ ለውጢ ዝጠልቡ ሓይልታት ሓራ መሬትን ከቢድ ምፍጣጥ ተፈጢሩ ምህላዉ ዝፍለጥ”ዩ
ውዕል ምቁራጽ ተጻቦኦ ፕሪቶርያ፡ ኣብ ሞንጎ ወከልቲ መንግስቲ ፈደራልን ውድብ ህወሓትን ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፡ ቅድሚ 3ተ ዓመት ኣብ 2ሕዳር 2022 ምፍራሙ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ናብ ትግራይ ሰባኣዊ ሓገዛት ክልእኽ፡ ዝተዓጽዉ መሰረተ ልምዓትን ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ክኸፍት፡ ንውድብ ሕወሓት ካብ መዝገብ ግብረሽበራ ክስርዝ፡ ውድብ ህወሓት ከኣ ብተመሳሳሊ፡ ሓደ ሰራዊት መንግስቲ ምህላዉ ክቅበል፡ ሰራዊት ትግራይ ብDDR ዕጥቁ ከውርድ፡ መንግስቲ ትግራይ ፈሪሱ ብግዚያዊ ምምሕዳር ክትካእ ተሰማሚዖም ኲናት ትግራይ ደው ክብል ምግባሮም ዝዝከር”ዩ።