ኣብ ዕድመ ስልጣኑ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ብምኳን፡ ኣረሜናዊ ግፍዕታት ክፍጽም ዝጸንሐን ገና ውን ኣብ ምፍጻም ዝርከብን ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብተን ብደም ኤርትራውያን ዝተዋሕጣን፡ ድሃይ ዛኣተወ ኤርትራዊ ዘይርከበለንን ሸላታቱ፡ ቀይድዎም ንዝጸንሐ 100 ዝቁጽሮም ተጋሩ ከምዝፈትሐ ኣፍሊጡ።
እቶም ካብ እዋን ኲናት ትግራይ ኣትሒዞም ንልዕሊ 3ተ ዓመታት ኣብ ጸልማት ሸላታት ጉጅለ ህግደፍ ዝጸንሑ ተወለድቲ ትግራይ፡ ብዘይ ዝኮነ ፍርዳዊ መስርሕ ናጻ ተባሂሎም፡ ብኣንፈት ዓዲዃላ-ራማ ናብ ዓዶም ከም ዝተሰዱ ከንቲባ ከተማ ራማ ኣብርሃለይ ግርማይ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ብዘይካ”ቶም መዳመቂ ንፖለቲካ ጽምዶ ዝተሓስቡ 100 ተጋሩ እሱራት፡ ንዓመታት ኣብ ሸላታት ዘለዉ ኤርትራውያን ግን ክሳብ ሕጂ ፍርዳዊ መስርሕ ይኹን ናይ ምሕረት ዕድል ዘይምርካቦም፡ ጉጅለ ህግደፍ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ጉጅለ ምኳኑ ንክትርዳእ ዝገብር”ዩ።
እቶም ካብ ሸላታት ህግደፍ ውጻእ መዓት ብምኳን ዘምለጡ ተጋሩ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ካብ ቀይዲ ምስ ተፈትሑ ብዛዕባ ቀጻሊ መደባቶም ኣመልኪቱ ጉጅለ ህግደፍ ምርጫ ከም ዘቕረበሎም ዝገለጹ ኮይኖም፡ ኤርትራዊ ክነብራ ኣብዘይክእል ኤርትራ፡ ተጋሩ ኣብ ትግራይ ወይ ኤርትራ ብሰላም ክነብሩ ምርጫ ምርካቦም፡ ነቲ ብዓይኒ ዕሙተይ ንጉጅለ ህግደፍ ዝድግፍ ዘሎ ወዲ ሃገር፡ ደወል ንቅሓት ክኸውን ከምዝግባእ ዘረድእ”ዩ።
ካብቶም ውጻእ መዓት ዝኮኑ 100 ተጋሩ፡ እቶም 38 ብገዛእ ፍቓዶም ክሳብ ሩባ መረብ ተፋንዮም ናብ ትግራይ ኣትዮም ምህላዎም ድሮ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ዝተረፉ 62 ሰባት ኣብ ኤርትራ ወሊዶምን ተዋሊዶም ስለ ዝዀኑ፡ ኣብኡ ክተርፉ ከም ዝመረጹ”ዩ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ዝወለደን ዝዘመደን ኤርትራዊ ክነብራ ዘይክእል ናይ ጉጅለ ህግደፍ ኤርትራ፡ ጸረ ህልውና ኤርትራዊ ዜጋ ኮይና ምህላዋ ንምርግጋጽ እኹል መርትዖ”ዩ።
ሓደ ካብቶም ተፈቲሖም ናብ ዓዶም ዝተፋነዉ ተጋሩ፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ወዲ 32 ዓመት በየነ ገብረኪዳን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ክነሱ፡ በቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝነበረ ኩነታት ኤርትራን ትግራይን ኣብ ቀይዲ ምጽንሑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ዓዲ ኣበይቶን ማይ ስርዋን ካብ 3 ክሳብ 6 ዓመታት ኣብ ቀይዲ ምጽንሖምን፡ ብምርጮኦም ናብ ትግራይ ምምላሶምን”ዩ ዝግለጽ።
ጉጅለ ህግደፍ 100 ተጋሩ ብምሕረት ፈቲሑ፡ ኣብ ዝመረጽዎ ሃገር ማለት ኤርትራ ወይ ትግራይ ክነብሩ ፍቃድ ምሃቡ፡ ከም ዓቢ ፖለቲካዊ መክሰብ ቆጺሩ መሳርሒ ፖለቲካ ጽምዶ ክገብሮ ምቅናዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ኣብ ገዛእ ሃገሮም ፍትሕን ምሕረትን ተሓሪምዎም ኣብ በጻሒ ዘይብሉ ሸላታት ዝነብሩ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታት እንዳሃለው፡ ህግደፍ ብዜና 100 ዝተፈትሑ ተጋሩ ብጹእን ምቅሉልን ክመስል ምፍታኑ፡ ኤርትራዊ ደመኙኡ ኣነጺሩ ንክርዳእ ከዘኻኽሮ ይግባእ።