እስራኤል ን14 ዓመታት ኣብ ሃገራ ክቕመጥ ከም ዝጸንሐ ዝተነግረሉ ደጋፊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብሰኑይ 3 ሕዳር 2025 ናብታ ኣብ ትሕቲ ዝድግፎ ስርዓት ህግደፍ እትመሓደር ኤርትራ ከም ዝተሰጐገት ኢዮሩሳሌም ፖስት ሓቢሩ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ እስራኤል ዝቕመጡ ኤርትራውያን ድጋፍ እናተገብረሎም ናብ ሩዋንዳ ተመሊሶም እኳ እንተ ነበሩ፡ እዚ ናብ ኤርትራ ዝተገብረ ቀጥታዊ ምስጓግ ግን ናይ ፈለማ ምዃኑ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ 2 መስከረም 2023 ኣብ መንጎ ደገፍቲ ጉጅለ ህግደፍን፡ ደለይቲ ፍትሕን ኣብ ተልኣቪቭ ብዝተላዕለ ግጭት፡ 11 ብጥይት ዝተሃርሙ ሰባት ሓዊስካ ኣባላት ፖሊስ እስራኤል ዝርከቡዎም ብውሕዱ 150 ድሕሪ ምቁሳሎም፡ መንግስቲ እስራኤል ነቲ ጉዳይ ብደቂቅ ክዕዘቦ ምጽንሑ ዝፍለጥ”ዩ።
ኣብ 24 ነሓሰ 2024 ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ሞንጎ ክልተኦም ኣካላት ብዝተፈጥረ ሓድሕዳዊ ዕግርግር ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ሸሞንተ ድማ ብኸቢድ ከም ዝተሃርሙ ተገሊጹ ምንባሩ ዝጠቅስ ዮርሳሌም ፖስት፡ እዚ ሓድሕዳዊ ግጭት፡ ነቶም ብዘየተኣማምን ወግዓዊ ፍቓድ ኣብታ ሃገር ክቕመጡ ዝጸንሑ ኤርትራውያን፡ ኵነታቶም ክብእስ ጌርዎ ምጽንሑ”ዩ ዝገልጽ።
እዚ ኣብ ነሓሰ 2011 ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ እስራኤል ድሕሪ ምእታው፡ ኣብታ ሃገር ክቕመጥ ዝጸንሐ ስሙ ዘይተጠቕሰ ኤርትራዊ፡ ካብ ሓዳሩ ዝተፋትሐን ኣቦ ሓደ ውሉድ ምዃኑን ወሲኹ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ሚያዝያ 2025 ጎዞሞ ኣብ ኢዱ ሒዙ እንከሎ ብፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ፡ ብተቘጻጻሪ ሓለዋ ዶብ ጉዳዩ ክስማዕ ከምዝተገብረን፡ ንስድራኡ ብምፍርራሕ’ውን ብተወሳኪ ተጠርጢሩ ምጽንሑን”ዩ ዘረጋግጽ።
ድሕሪ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ራምለ ናብ ዝርከብ መዳጐኒ ጊቮን ተሰጋጊሩ ዝጸንሐ ደጋፊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ጊቮን ኣብ ዝጸንሓሉ ግዚያት ደጋፊ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ከምዝተረጋገጸ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፡ ንጉዳዩ ኣመልኪቱ ብዝቐረበ ርእይቶ መሰረት ድማ ብመንግስቲ እስራኢውል ክስጐግ ውሳነ ከምዝተዋህቦ”ዩ ዝንገር።
ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝተኻየደ ግጭት፡ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፡ “ቀይሕ መስመር፡” ተጣሒሱ ኣሎ ድሕሪ ምባል፡ ንዅሎም እቶም “ዘይሕጋውያን ሰገርቲ፡” ኢሉ ዝገለጾም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብታ ሃገር ንምብራሮም ዘኽእል ሓድሽ ውጥን ክሕንጸጽ ኣዚዙ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡
ይዅን’ምበር፡ እቲ ብሰንኪ ደገፍቲ እቲ ጉጅለ ዝኮኑ በሃማት ደቂ ሃገር ዝተጓሃሃረ ሓደገኛ ግጭት፡ እስራኢል ውን ኤርትራውያን ንምስጓግ ዘኽእል ተግባራዊ ሕጊ ክሳብ ምጽዳቅ ክትከይድ ገዲድዋ እኳ እንተነበረ፡ ዓለምለካውያን ትካላት ሰባኣዊ መሰላትን ተሓለቅቲ ስደተኛታትን ከሙኡ ውን ዜጋታት እታ ሃገርን ብዘራኣይዎ ተቓውሞ ግን፡ እስራኤል ነቲ ንጹሃን ከይልክም ዝተሰገአ መስርሕ ደው ከተብሎ ተገዲዳ ምጽንሓ ዝፍለጥ”ዩ።
እዞም ኣብ ሃገሮም ካብ ዝተደቀነ መከራ ሃዲሞም ብዙሕ ዋጋ ከፊሎም ርግኣትን ድሕነትን ደልዮም ኣብ እስራኤል ዝተዓቝቡ ስደተኛታት፡ ምስ ዕለታዊ ናብራን ጽኑዕ ሕጊ ስደተኛታት እስራኤልን እናተቓለሱ ከምዝነብሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብፍላይ እቶም ካብ ቅድሚ 10 ዓመት ኣትሒዞም ኣብ እስራኤል ዝቕመጡ ኤርትራውያን፡ ቋንቋ ዕብራይስጥ መሊኾም፡ ብስርሖም ኣበርክቶ እናገበሩ ደቈም የዕብዩ እኳ እንተ’ለዉ፡ ብመንግስቲ እስራኤል ከም ስደተኛታት ወግዓዊ ኣፍልጦ ክህቦም ብዘይምካኣሉን፡ ብደገፍቲ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ከቢድ ፈተና ክበጽሖም ምጽንሑን ግን ንሂወቶም ኣክቢድዎ ምጽንሑን፡ ኣብ ዘይውሑስን ዘይርጉእን ኵነታት ክነብሩ ተገዲዶም ምህላዎምን ዝፍለጥ”ዩ።
ድሕሪ’ቲ ኣብ 2023 ዝተኻየደ ግጭት፡ ጉጅለ ህግደፍ ብመንገዲ ምኒስትሪ ዜና ኣቢሉ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ ተልኣቪቭ ዝተፈጸመ ተግባር፡ ንሞሳድ ሓዊስካ ብዓበይቲ ትካላት ስለያ ዝምወል ምዃኑ ምኽሳሱ ዝዝከር ኮይኑ፡ ውልቀመላኺ እቲ ስርዓት ብወገኑ ኣገናዕ ብምባል ደገፍቲ እቲ ጉጅለ ነቲ ተግባራት ክቅጽልዎ መልእኽቲ ምህላዉ ኣይርሳዕን።
እዚ ደጋፊ ጉጅለ ህግደፍ ዝኮነን፡ ካብ እስራኤል ናብ ኤርትራ ዝተሰጎን ናይ ፈለማ ውልቀ ሰብ፡ ቅድሚ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ምዕላቡ ብኣዲስ-ኣበባን ካምፓላን ናብ ጉጅለ ህግደፍ ክርከብ ምኳኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተጠሪዞም ንዝመጹ ዜጋታቱ ክቕበል ፍቓደኛ ከም ዘይኰነ ዝንገረሉ ጉጅለ ህግደፍ ክህቦ ዝኽእል ግብረመልሲ ግን፡ ገና ንጹር ዘይምኳኑ”ዩ ዝንገር።
ብመሰረት ጸብጻብ መርበብ ሓበሬታ ኢምግረሽን እስራኤል፡ ኣስታት 15,500 ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድመኦም፡ ከሙኡ ውን ልዕሊ 7,000 ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ቈልዑን ኤርትራውያን፡ ኣብ እስራኤል ይነብሩ ምህላዎም”ዩ ዝንገር።