ላዕለዋይ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ድሕሪ ወዕል ፕሪቶርያ ዝወስዶም ዘሎ ተግባራት፡ ናብ ኲናት ንምእታው እኹል ምኽንያት ከም ዝኮነን፡ ህወሓት ክሳብ ዘይተወገደ ሰላም ክህሉ ከምዘይኮነ ገሊጹ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ነዚ ክስታት ዘቕረበ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ትግራይ ኲናት ክውላዕ ዓቢ ምክንያት ምንባሩ ንዝጥቀስ፡ ኣብ ልዕሊ ‘እዚ ሰሜን’ ተፈጺሙ ዝበሃል መጥቃዕቲ ንምዝካር ብ 3ሕዳር ኣብ ዝተገብረ ናይ ዝኽሪ መደባት ኮይኑ፡ ህወሓት ጠቅሊሉ ክሳብ ዘይተኣልየ ሰላም ክህሉ ኣይኮነን ብምባል፡ ፈደራልን ህወሓትን ገና ዘይተወደአ ወተሃደራዊ ግጥም ይጽበዮም ምህላዉ”ዩ ኣንፊቱ።
ህወሓት ውዕል ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ጀሚሩ ዝፈጸሞም ተግባራትን ተንኮላትን ልዕሊ ዓቕምና እዮም ዝበለ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ብምኳን ‘ጽምዶ’ ዝተሰየመ ልፍንቲ ፈጢሩ ዝካይዶ ዘሎ ዘይሕጋዊ ርክባት፡ ተመዛበልቲ ናብ ዓዶም ንኸይምለሱ ምሕንጋድ፡ ዕጡቓት ምስልጣንን ኣብ ክልል ኣምሓራ ንዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖ ምድጋፍን ከም ኣብነት ኣልዒሉ፡ ህወሓት ካብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ምእላይ እንኮ ኣማራጺ ምኳኑ”ዩ ዘቀምጥ።
ህወሓት ዕንወት የውርድ እኳ እንተሃለወ፡ ኲናት እንተ ተወሊዑ ግን ዝያዳ ዕንወት ከስዕብ ምኳኑ ንጹር”ዩ ዝበለ እቲ በዓል፡ስልጣን ፈደራል፡ ምስ ግዜ ልቢ ዝገብር ሰብ ክፍጠር ይኽእል”ዩ ካብ ዝብል እምነት፡ መንግስቲ ዓቕሊ ጌሩ ይጽመም ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ውድብ ህወሓት ግን ካብ ዕለተ ትውልዱ ኣትሒዙ ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ኩሉ ኣካይዱኡ ናይ ክሕደት ባህሪ ዝተላበሰ”ዩ ብምባል ከሲስዎ ይርከብ።
ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ መንጎ መንስግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ዝተላዕለ ግጭት፡ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ኣኸቲሉ፡ ካብ ትግራይ ሓሊፉ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ፡ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት ምቅዛፉ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ዝተወለዐ ደማዊ ኲናት ብውዕል ፕሪቶርያ ደው ካብ ዝብል 3ተ ዓመታት ወላ”ኳ እንተመለአ፡ኣብ ሕብረተሰብ እታ ሃገር ኣውሪድዎ ዘሎ ከቢድ ማሕበራውን ቍጠባውን ዕንወት ግን ገና መፍትሒ ከምዘይረኸበ ዝፍለጥ”ዩ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ መጥቃዕቲ ሰሜን እዚ ንምዝካር ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ህዝቢ ትግራይ ንምክልኻል ንዘመናት ዓስኪሩ ኣብ ልዕሊ ዝጸንሐ ሰራዊት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ዘሕፍር ክሕደትን ታሪኻዊ በሰላን”ዩ ክብል ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ህወሓት ምስ’ቲ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ምጽናት ዓሌት ፈጺሙ”ዩ ኢሉ ምስ ዝኸሰሶ ጉጅለ ህግደፍ ምሕዝነት ብምፍጣር፡ ጸረ ኢትዮጵያ ምንቅስቃስ ይገብር ምህላዉ ብምጥቃስ”ዩ ንህወሓት ብኽሕደት ሃገር ዝከስስ።