ካብ ኲናትን ወረ ኲናትን ወጻኢ ክነብር ዘይክእል ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ እዋን ምውላዕ ደማዊ ኲናት ትግራይ ኣትሒዙ፡ ንዝሓለፈ 5 ዓመት ኣብ ቅሉዕ ተሳትፎ ስግረዶባዊ ግጭታት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዞባ ጋሽባርካ ኣኪብወም ብዝጸንሐ ትራክተራት ኣቢሉ መዳፍዕ ከንቀሳቅስ ህዝቢ ከምዝተዓዘቦን፡ ገዚፍ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኤርትራ ውን ካብ ሃገር የንቀሳቀስ ምህላዉ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ዓዲ ገሊጾም።
ጉጅለ ህግደፍ ድሕሪ”ቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐን፡ ሂወት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዜጋታት እታ ሃገር ዝበልዐለን ደማዊ ኲናት፡ ብግሉጽን ብዘይ ዝኮነ ከውልን ኣብ ኢትዮጵያ ኣንጻር መንግስቲ ፈደራል ምስ ዝዓጠቁ ሓይልታት ብምኳን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ዕግርግር እታ ሃገር ዓቢ ኢድ ክጻወት ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ጎኒ ጎኒ”ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጽሞ ተግባራቱ ኣብ ሱዳን ውን ብተመሳሳሊ፡ ንወተሃደራዊ ሓይሊ ሰራዊት ኣል ቡርሃን ብምድጋፍ፡ ክሳብ ደገፍ ኣጋር ሰራዊት ዝኸይድ ኩሉ ዓይነት ምትሕብባር ኣብ ምግባር ድሕሪ ምጽናሕ”ዩ ሕጂ ውን ብርክት ዝበለ መዳፍዓት የንቀሳቀስ ምህላዉ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ካብ ከባቢታት ጎልጅን ኦምሓጀርን፡ ናብ ማዕሎባ መስመር ኦምሓጀር ጎልጅ ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለወን ትራክተራት ክጓርት ምቅናዩ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ዝበዝሓ ትራክተራት ናበይ ከምዘበላ ብንጹር ክፍለጥ እኳ እንተዘይተካእለ፡ 30 ካብኣተን ግን ብሰንበት 2 ሕዳር 2025፡ ኣብ ነፍሲ ወከፈን 6 ዕጡቃት ተመዲቡለን፡ ዓበይቲ መዳፍዕ እናጎተታ፡ ምዕራባዊ መስመር ሒዘን፡ ብማእከል እቲ ዘይተጎንአ ማሻሉን ሕርሻን ተኸዊለን፡ ናብ ኣንፈት ሓፊር ሱዳን ከምዝኸዳ ዮም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ዘረጋግጹ።
ዕላማ እቲ ካብ ሃገር ዝወጽእ ዘሎ ዓቢ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ኣብ ጉኒ ሰራዊት ሱዳን ተሰሊፉ ኣንጻር ሰራዊት ዳዕመል ሰሪዕ ንምግጣምን፡ ሓይሊ ሚዛን ንምምንጣልን ክኸውን ከምዝኸእል ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ክልቲኦም ሓይልታት ሱዳን ፖለቲካዊ ንምክይድ ብምስምምዖም ግን፡ እቲ መዳፍዕ ኣካል ናይቲ ንምዕራባዊ ዞባ ሱዳን ረጊጹ፡ ናብ ክልል ኣምሓራ ተጠውዩ፡ ንዕጡቃት ፋኖ ዝወሃብ ወተሃደራዊ ደገፍ ክኸውን ከምዝክእል ውን”ዮም ዝግምቱ።