ዓቢ ስም እትውንን ህብብቲ ሶማላዊት ድምጻዊት ሆዳን ዓደንን፡ ካልኦት ሓያሎ ሶማላውያን ስደተኛታትን ዝጸዓነት ጃልባ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ብፈረንሳ እትመሓደር ግዛኣት ማዮት ብዘጋጠማ ሓደጋ ከም ዝሞቱ ተገሊጹ።
ሆዳን ኣፍሪቃ፡ ብዝብል ናይ መድረኽ ስማ እትፍለጥ ድምጻዊት ሆዳን ዓደን፡ ምስ ጓላ ኣብታ ጃልባ ከም ዝነበረትን ህይወታን ሂወት ውላዳን ከኣ፡ በቲ ዝገጠመ ሓደጋ ከምዝተከስረ ዝገለጸ ሓበሬታ ቢቢሲ፡ ካብታ 15 ዝቁጽሮም ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ፡ ሓደ ሰብ ጥራሕ ብሂወት ምትርፉ”ዩ ዝግለጽ።
ሞት እታ ድምጻዊት፡ ስም ዘለዎም ሰብ-ሞያ ከይተረፈ፡ ዝሓሸ ህይወት ንምድላይን ካብ ወረ ኲናት ኣፍሪቃ ንምህዳምን፡ ብዘይሕጋውን ሓደገኛን መንገዲ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ንዝገብርዎ፡ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ንዘእቱን ናይ ጀላቡ ጉዕዞ ኣጕሊሑ ከምዘንጸባርቅ”ዩ ኣብ ሓበሬቱኡ ዝገልጹ።
ሆዳን ቅድሚ ዓመታት፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ስደተኛ ኮይና ትነብር ምንባራ ዝጠቀሰ ቢቢሲ፡ ካብ ኣቦኣ ንዝወረሰቶ ፍቕሪ ስነ-ጥበብ ንምዕዋት፡ ብዕምቈት ትውፈ ኣብ ሞያዊ ኣበርክቶኣ ሓዝያ ሓያል ምንባራ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ሶማልያ ደረፍቲ ስነ-ጥበባውያን ብዙሕ ተቐባልነት ስለ ዘይብሎም፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ሰሪሖም ሽምን ዝናን ካብ ዘጥረዩ ብዙሓት ሶማላውያን ስነጥበባውያን ሆዳን ሓንቲ ምንባራ ዝጠቀሰ ቢቢሲ፡ ብሰማዕቲ ቋንቋ ሶማል ዓቢ ተቀባልነት ረኺባ ዝጸንሐት ሶማላዊት ምኳኑ ውን”ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ሶማላዊት ስነጥበባዊት ሆዳን ምስ ጓላ ዝዓረፈትሉ ደሴት ማዮት፡ ካብ ደሴታት ኮሞሮስ 70 ኪሎ ሜተር ርሒቃ እትርከብ ደሴት ኮይና፡ ብዘይሕጋዊ ውሕስነት ኣልቦ ጉዕዞ ጀላቡ፡ ናብ ኤውሮጳ ክትሰግር ኣብ ዝፈተነትሉ ህሞት ሂወታ ምሳኣና፡ ኣብ ብዙሓት ደቂ ሃገራ ሓዘን ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረጋግጽ።
ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት (IOM) ካብ ጥሪ ክሳብ ነሓሰ ናይ 2025 ጥራሕ፡ ሓስታት 6ሽሕ ሶማላውያን ስደተኛታት ብጉዕዞ ባሕርን ብመሬትን ናብ ኤውሮጳ ከም ዝበጽሑ ዝገልጽ ኮይኑ፡ እዚ ቁጽሪ እዚ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ ብ3.3 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ”ዩ ኣብ ጸብጻቡ ዘረድእ።