ንኽልላት ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ዘሰሓሕብ ዞባ ወልቃይት ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ብዘይ ዝኮነ ተወሳኺ ሓገዝ፡ ጸላኢ ኣጥቂዑ ናይ ምስዓር ብቅዓት ወኒኑ ምህላዉ፡ ኣዛዚ ናይቲ ሰራዊት ኮረኔል ደመቀ ዘውዱ ገሊጹ።
ሓቂ ሒዝና ሕጊ ተከቲልና ኩለንትናኣዊ ሓባራዊ ዕብየት ንምርግጋእን፡ ብሓባር ናይ ምንባር ድሌትን ኣለና ዝበለ ኮረኔል ደመቀ ዘውዱ፡ ካብዚ ወጻኢ ብሓይልን ጉልበትን ዝወጠንዎ ዕላማ ንምዕዋት ዝንቀሳቀሱ ኣካላት እንተልዮም ግን፡ እቲ ኣብ ወልቃይት ዘሎ ሓይሊ ልዕሊ ዝኮነ ይኩን እዋን፡ ኣብ ዝለዓለ ቆመና ኮይኑ ክጽበዮምን፡ ግቡእ ግብረመልሲ ክህቦም ምኳኑን”ዩ ኣጠንቂቑ ዝርከብ።
እቲ ኣብ ወልቃይት ዘሎ ናይ ጸጥታ ሓይሊ፡ ብፕሮፖጋንዳ ህወሓት ይኹን፡ ብቁንጣሮ ናይ ገንዘብ ጥቅሚ፡ ንህዝቢ ኣምሓራ ዝሸይጥ ሓይሊ ኣይኮነን ዝበለ ኮረኔል ደመቀ፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ህዝባዊ ሓይሊ ምኳኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ንኩሉ እንተታት ኣብ ዝለዓለ ምድላው ኮይኑ ይጽበ ምህላዉ”ዩ ዘረጋግጽ።
ህወሓት ድሕሪ”ቲ ኣብ ክልል ዓፋር ዝገበሮ ስግረዶባዊ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ዞባ ወልቃይት ውን ተመሳሳሊ፡ ወተደራዊ ስጉምቲ ክፍጽም ከምዝኮነ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን ዝበለ ኮረኔል ደመቀ፡ ኣባላትት ፋኖ ኢና እንዳበሉ ንውድብ ህወሓት ዝተሸጡ ተወለድቲ ኣምሓራ ምህላዎም ድሕሪ ምኽሳሱ፡ እቲ ኣብ ወልቃይት ዘሎ ሓይሊ፡ ናይ ህዝቢ ኣምሓራ ናይ ጸጥታ ሓላፍነት ዝተሰከመ ሓይሊ ክሳብ ዝኮነ ግን፡ መሰል ርእሰ ውሳነ ህዝብታት ንምርግጋጽ ክሳብ መወዳእታ ቃልሱ ከሐይል ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምኳን፡ ምዕራብ ትግራይ ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝጸንሐ ሰፊሕ ዞባ ወልቃይት ጸገዴ፡ ድሕሪ”ቲ ኣብ 2020 ዝተወለዐ ደማዊ ኲናት መንግስቲ ፈደራልን ትግራይን፡ ብሓይሊ ብረት ካብ ኢድ ትግራይ ወጽዩ ኣብ ትሕቲ ክልል ኣምሓራ ተማእኪሉ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ናብ ትግራይ ክምለስ”ዩ ዝብል ስምምዕ ከምዘሎ”ኳ ዝንገር እንተኮነ፡ ዕጡቃት ኣምሓራ ስቅ ኢሎም ካብቲ ዞባ ክወጹ ይክእሉ”ዮም ዝብል ትጽቢትን ግምትን ምስ ዘይምህላዉ ግን፡ ጉዳይ ወልቃይት ውዒሉ ሓዲሩ ተወሳኪ ደም ምፍሳስ ክወልድ ከምዝክእል”ዮም ብዙሓት ስጋኣቶም ዘቀምጡ።