ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ብዝተዘርግሐ ናይ ገበን መርበባቱ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዜጋታት ኤርትራ ንዝፍጽሞ ገበናት ስግረዶባዊ ጸቅጢ ዘቃልዕ ኮንፈረንስ፡ ብሓባራዊ ኮሚተ ሓይሊ ዕማም ሽወደን ከምዝቀረበ ተገሊጹ።
ሓባራዊ ኮሚተ ሓይሊ ዕማም ሽወደን፡ ብምንቅስቃስ ያኣክል፡ ምምቅስቃስ ብሩህ መጻኢ፡ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ፡ ከሙኡ ውን ግዱሳት ኣካላትን ዝቆመ ኮይኑ፡ ዓመታዊ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ዝካየድ ፌስቲቫላት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ሂወት ተቓለስቲ ንዘብጽሖ ዘሎ ኣሉታዊ ጸገማት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ጉጅለ ብመሰረት ብኣህጉራዊ ሕጊ ዓለም ገበናዊ መርበባውቱ ንምቅላዕ ዝዓለመ ኮንፈረንስ ብምክያድ፡ ምስሊ እቲ ጉጅለ ንማሕበረሰብ ዓለም ንጹር ንምግባር ዝወደቦ ምንባሩ ዝተጠቅሰ ኮይኑ፡ ካብ ሽወደን፡ ኢንግሊዝ ነርወይን ካሎኦት ሃገራትን ዝተወከሉ ጸለውቲ ናይ ፖለቲካን ሰብኣዊ መሰል ተጣበቅትን ኣብ ዝተረክብሉ ኣጋጣሚ ዕዉት ኮንፈረንስ ምክያዱ”ዩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ኣባላት ፓርላማ ዝኮኑ ሰበስልጣናት መንግስቲ ካብ ሽወደን፡ ማርቲን ፕላውት ካብ ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ዮሴፍ ገዛኢ ካብ ነርወይ፡ ከሙኡ ውን ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ተቃለስቲ ንፍትሒ ኣብቲ ዝተካየደ ኮንፈረንስ ምስታፎም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ዝፍጽሞ ዘሎ ስዉር ናይ ገበናት መርበብን፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍጽሞ ዘሎ ስግረዶባዊ ጸቅጥን ብዝግባእ መብርሂ ከምዝተዋህቦ”ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ሽወደን ዝተካየደ ኮንፈረንስ፡ ንስምዒታት ተሳተፍቲ ዝተንከፈ ምስክርነታት ስግረዶባዊ ጸቕቲ፡ ብክልተ ግዳይ ዝኮኑ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝቀረበ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብመንገዲ ዘካይዶም ናይ ፕሮፖጋንዳ መደባቱን፡ ኣገዲዱ ዝእክቦ ናይ 2% ግብርን፡ ዓመታዊ ካብ 300-400 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ከም ዝቅበል ዝገልጽ ሓበሬታ ውን ብመልክዕ ጸብጻብ ዝቀረበ ኮይኑ፡ 18 ደቃይቅ ደኮመንታሪ ሰነድ ውን ብተወሳኺ፡ ዕዱማት ወጻእተኛታት ባህሪ ጉጅለ ህግደፍ ብዝግባእ ንክርዱኡ ዓቢ ተራ ከምዝተጻወተ”ዩ ሓበሬታና ዘረጋግጽ።
ጋዜጠኛ ካልድ ዓብዱ፡ እንግሊዛዊ ማርቲል ፕላውት፡ ኩርዳዊ ኩርዶ ባክሲ፡ ካሎኦትን ኣብቲ ዝቀረበ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ዝተሳተፉ ኣካላት ኮይኖም፡ ብቤተሊሄም ዳዊት ኢሳቅ እንዳተኣልየ ዝቀጸለ ዛዕባ ሃለዋት ዳዊት ኢሳቅ፡ ነቲ ዳዊት ካብ ዝእሰር ጥራሕ 11 መራሕቲ ዝበጽሐ መንግስቲ ሽወደን፡ ሓላፍነት ብምጉዳል ዘክሰሶ ኮይኑ ምቅራቡን፡ ሰፊሕ ክትዓት ከምዘልዓለን ውን”ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ተሳተፍቲ ኮንፈረንስ ስግረዶባዊ ጸቅጢ ጉጅለ ህግደፍ ዝኮኑ ዕዱማት ኣካላት፡ ብዝቀረበ መጽናዕታዊ ጽሑፍን ዶኮመንታሪ ሰነዳትን፡ ናብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ዝጸንሖም ስእልን፡ ዝነበሮም ዋሕዲ ሓበሬታን ምሉእ ብምሉእ ከምዝተፈትሐ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ብፍላይ እቶም ካብ ፓርላማ እታ ሃገር ዝተወከሉ ዕዱማት፡ ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳቶም ምስሊ እቲ ጉጅለ ብጥንቃቐ ክከታተልዎ ከምዝግባእ ተረዲኦም ምህላዎም ዝገለጹ ኮይኖም፡ ይኹን እምበር ጉጅለ ህግደፍ ምስ ውልቀመላኺ ባህርያቱ፡ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ይኹን ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንረብሓ ኤውሮጳውያን ዝጎድእ ተግባራት ዝፍጽም ጉጅለ ብዘይምኳኑ፡ ምስቲ ጉጅለ ዝጸንሐ ርክባት ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ክኸይድ ምጽንሑ ብምጥቃስ፡ ዓለም ጉዳይ ኤርትራ ቖላሕታ ክትህቦ ከምዝግባእ”ዮም ዝሰማምዑ።
መንግስቲ ሽወደን ብመሰረት ኣብ ቀረባ እዋን ዘውጾኦ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ብደረጃ ዓለም ከቢድ ስግረዶባዊ ጸቅጢ ዝፍጽማ ሃገራት ብምባል ኣብ ዘውጾኦ መረዳእታ፡ ኤርትራ ካብተን 5 ከቢድ ገበናት ዝፍጸመለን ሃገራት ዓለም፡ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ምቅራባ፡ ወጽዓ ኤርትራውያን ዘረጋግጽ ሰነድ ምኳኑ”ዮም ቡዙሓት ዝሰማምዑ።