መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተጠቂሙ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ካብ መሬታዊ ግዛኣታዊ ሓድነት ትግራይ ወጻኢ ኣብ ክልል ዓፋር ከምዝተፈጸመን፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ትግራይ ውን ሰባኣዊ ክሳራ ከምዘውረደን ንሓደ ስሙ ዘይተጠቅሰ በዓልስልጣን ትግራይ ከም ምንጪ ሓበሬታ ብምጥቃስ፡ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ AFP ገሊጹ።
እቲ ብመንገዲ ሰብ ኣልቦ ድሮን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ዶብ ትግራይ ጥሒሶም ናብ ክልል ዓፋር ኣብ ልዕሊ ዝኣተዉ ዕጡቓት ትግራይ ዕላማ ዝገበረ ምንባሩ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 16 ዕጡቓት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 22 ድማ ቆሲሎም ከምዘለዉ”ዩ ወሲኹ ዘረድእ።
ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ AFP ኣብ መግለጺኡ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ ፌደራል ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ጻዕሪ ፍረ ከምዘይረኸበ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሰራሕተኛ ትካል ረድኤት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ግን፡ ድሕሪ”ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም ኣስታት 18 ሽሕ ነበርቲ ክልል ዓፋር ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ምህላዎም”ዩ ዝገልጽ።
ሓደ ምስ ሰበስልጣን ትግራይ ቅርበት ዘለዎን፡ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየን ምንጪ ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ዓፋር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ክልል ንዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ሓራ መሬት፡ ወይ ሓይሊ ሰላም ትግራይ TPF ዕላማ ጌሩ ዝተፈጸመ ምንባሩ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ዕጡቅ ጉጅለ ሓራ መሬት ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ጌታቸው ረዳ ርክብ ኣለዎ ንዝብል ክትዓት ኣመልኪቱ፡ ርእይቱኡ ክህብ ንጌታቸው ረዳ ዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ከምዘይረኸበ”ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ህዝቢ ክልል ዓፋር ድሕሪ”ቲ ኣብ ሞንጎ TDFን TPFን ዝተካየደ ምልውዋጥ ቶክሲ፡ ናብ ውድብ ህወሓት ዘነጻጸረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ምክያድ ምህላዉ ተገሊጹ።
ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ መጋለ፡ ኣብ ሞንጎ ክልተ ኣካላት ትግራይ ድሕሪ ዝተካየደ ወተሃደራዊ ግጭት፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ብኸቢድ ተፈናቂሉ ምህላዉ ዝጠቅስ እቲ ሓበሬታ፡ ህዝቢ እቲ ከባቢ ካብ ትማሊ ሰኑይ 10 ሕዳር ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ወረዳታትን እታ ክልል ሰላማዊ ሰልፍታት ብምጽዋዕ፡ ውድብ ህወሓት ንዝወሰዶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ይኹንን ምህላዉ”ዩ ዘረድእ።
እቲ ብነበርቲ እታ ክልል ዝተጸወዐ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ሰኑይ 10 ሕዳር ኣብ ወረዳ ማጋሌ፡ ትማሊ ሰሉስ 11 ሕዳር ከኣ ብተመሳሳሊ ኣብ ወረዳ ፋንቲ ራሱ ቴሩ ከምዝተካየደ ዝተገልጸ ኮይኑ፡
ተቃውሙኡ ንምስማዕ ናብ ጎደና ዝወጸ ህዝቢ ክልል ዓፋር፡
“መጋበርያ ጉጅለ ህግደፍ ዝኾነ ጉጅለ ህወሓትን ተልእኩኡን ክንቃለሶ ኣለና”፡
“ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ማጋሌ ኣንጻር ሰላማዊ ህዝቢ ዝጀመሮ ኩናትን ምምዝባልን ንኹንን”፡
“ወያነ ክሳብ ዝሃለወ ኢትዮጵያ ሰላም ኣይክትህልዋን እዩ”፡
“ህወሓት ጸረ ህዝቢ ትግራይ ውድብ”ዩ”፡
“ህወሓት ታሪኻዊ ጸላኢ ዓፋር እዩ”፡ ዝብል ጭርሖታት ኣብቲ ሰልፊ ከምዝተራእየ እዩ ዝገልጽ።