ዝበዝሕ ግዜ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝውዕል፡ ኣብ ከተማ ባጽዕ ዝርከብ ማዕርፎ ነፈርቲ፡ ብድላይ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ግጭት ሓድሕድ ሱዳን ቀንዲ ተሳታፊ ብምኳን፡ ካብን ናብን ሱዳን ናይ ዝንቀሳቀሳ ነፈርቲ መዋፈሪ ኮይኑ ምህላዉ ተገሊጹ።
ኣብ ዞባ ዳርፉር ሱዳን ዝርከብን ቀንዲ ወተሃደራዊ መዓስከር ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ምኳኑ ዝንገረኑን ማዕርፎ ነፈርቲ ንያላ፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ብዝመርሖ ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ብርክት ዝበለ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ከምዝገጠሞ ኣቀዲሙ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብዘይካ ግብጺ ጉጅለ ህግደፍ ውን ብተመሳሳሊ፡ ንማዕርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ቀንዲ መበገሲ ነቁጣ ናይዚ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ጌርዎ ምህላው”ዩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘረድእ።
እቲ ኣብዚ ሳልስቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ኣብ ሰብን ንብረትን ንዘስዓቦ ጉድኣት ዝገልጽ ንጹር ሓበሬታ ከምዘየለ ዝንገር ኮይኑ፡ ምስ ፖለቲካ እታ ሃገር ቅርበት ዘለዎም ጸብጻባት ግን፡ ወተሃደራዊት ናይ ጽዕነት ነፋሪት ናብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሐት ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ዝተፈጸመ ምንባሩ ብምጥቃስ ግን፡ ጉጅለ ህግደፍ ብኢደዙር ኣብዚ ግጭት ኢዱ ይሕውስ ምህላው”ዮም ዝገልጹ።
ሰራዊት ሱዳን ድሮናት ተጠቂሙ ድሕሪ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ወተሃደራውያን ነፈርቲ ቱርኪ፡ ቀጠር፡ ግብጺ፡ ኢራንን ሩስያን፡ ኣብቲ ከም ወተሃደራዊ መዓስከር ሱዳን ዘገልግል ዘሎ መዕርፎ ነፈርቲ ፖርት ሱዳን፡ ኣብ ናይ ሰዓታት ፍልልይ ክዓርፋ ከምዝተራእያ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ጉዳይ ሱዳን ከም ውሽጣዊ ጉዳዩ ክምልከቶ ጀሚሩ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ፡ ካብን ናብን ሱዳን ንዝካየድ ዘሎ ናይ ኣጽዋር ዕድጊ ንምስግጋርን ካልእን፡ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ባጽዕ መአዘዚ ነቁጣ ብምትካል፡ ኣብ ዓይኒ ዛኣተወ ተግባራት ይፍጽም ምህላዉ”ዩ እቲ ሓበሬታ ዝጠቅስ።
ወተሃደራውያን ነፈርቲ ሱዳን፡ ናብ ፖርት ሱዳን ቅድሚ ምምላሰን፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ኤርትራ ክዓርፋ ከምዝተራእያ ዘመልክት እቲ ሓበሬታ፡ ሰራዊት ሱዳን ብዕጡቅ ሓይሊ ወሃቢ ቅልጡፍ ደገፍ ሱዳን ዝተታሕዘ ከባቢታት ዳግማይ ንምሓዝ ዝዓለመ፡ ሓድሽ መጥቃዕቲ ጀሚሩ ኣብ ዘለወሉ ሰዓት፡ ጉጅለ ህግደፍ ኤርትራ ቀጥታዊ ተሳትፎ ክህልዋ ይገብር ምህልው”ዩ ዝከስስ፡፡
ኣቀድም ኣቢሉ ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ሱዳን ዝኮነ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ፡ “ኤርትራን ግብጽን ንምጥቃዕ ድሮናትና ድልዋት እየን” ዝብል መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ፡ ግብጺ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ደብዳበ ብምጽሓፍ፡ ዲፕሎማስያዊ ዓወታት ከተመዝግብ ምፍታና ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር በይናዊ ምስጢራዊ ውሳነ ብምሕላፍ ዝልለ ጉጅለ ህግደፍ ግን፡ ብጉዳይ ሱዳን ንዝቀርበሉ ክስታት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ቃል የለን።
ካብዚ ቀረባ እዋን ኣትሒዘን ብርክት ዝበላ ወተሃደራውያን ነፈርቲ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ምጽዋዕ ክዓልባ ምጽንሐን፡ ካብ ሳተላይት ንዝተረኽበ ሓበሬታ ብምውካስ ተደጋጋሚ ግዜ ክንገር ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቅድሚ ዝተወሰነ መዓልታት ብተመሳሳሊ፡ ዋንነት መንገዲ ኣየር ራዳ ዝኮነት L-62M ናይ ጽዕነት ነፋሪት፡ ካብ ርእሰ ከተማ ኢራን ቴህራን ተበጊሳ፡ ኣጽዋር ጽዒና ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ባጽዕ ከምዝዓለበትን፡ ዝጸዓነቶ ኣጽዋር ሓይሊ ሰራዊት ሱዳን ንምድልዳል ክውዕል ከም ዝኽእል”ዩ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።