ብጀነራል ሓምዳን ደጋሎ ሕሚቲ ዝምራሕ ዕጡቅ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍ RSF፡ ኣብ ሱዳን ዝፈጸሞ ገበን ምጽናት ዓሌት ንምክዋልን ካብ ተሓታትነት ንምህዳምን፡ ሬሳ ግዳያት ብሓዊ ከምዘቃጸለ ኣልጀዚራ ገሊጹ።
ብመሰረት እቲ ካብ ሰብ መዚ ሕክምና ሱዳን ዝተረከበ ሓበሬታ፡ ሓይልታት ወሃቢ ቅልጡፍ ደገፍ RSF፡ ኣብ ዳርፉር ንዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ንምሽፋን፡ ሬሳ ግዳያት ከቃጽል ከምዝተራእየ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ክመጾ ካብ ዝክእል ክሲ ምጽናት ዓሌት ንምስዋር ውን፡ ንዝቀተሎም ሲቪል ዜጋታት ኣብ ናይ ሓባር ጋህሲ ይቀብሮም ምህላዉ”ዮም ኣልጀዚራ ዝገልጽ።
እቲ “መርበብ ዶካትር ሱዳን” ዝተባህለ ጉጅለ ኣብ ዝሃቦ ተወሳኪ መብርሂ፡ RSF ገበናቱ ንምኽዋል ካብ ጎደናታት ከተማ ኤልፋሸር ጥራሕ፡ እልቢ ዘይብሉ ሬሳታት ከምዝኣከበን፡ ኣቃጺሉ ክስውሮ ይቃለስ ምህላዎን ዝገለጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ ጉጅለ ዝፈጸሞ ኣሰቃቒ ቅትለት፡ ብምንዳድን ምቅጻልን ጥራሕ ክድምሰስ ከምዘይኽእል ብምግላጽ”ዩ RSF ዓሌታዊ ምጽናት ምፍጻሙ ዝምስክር።
RSF ካብ ከተማ ኤልፋሸር ወጻኢ፡ ክዋጋኣለን ኣብ ዝጸንሐ ከባቢታት እታ ሃገር ውን ብተመሳሳሊ፡ ከምዚ ዓይነት ንኣህጉራውን ሃይማኖታውን መትከላት ዝጥሕስ ተግባራት ክፍጽም ምጽንሑ ዝጠቀሰ “መርበብ ዶካትር ሱዳን” ኣብ ኣልፋሸር ካብ ዝነበረ 260 ሽሕ ነባሪ፡ ኣስታት 82 ሽሕ ዝቁጽሮም ዜጋታት፡ RSF ነታ ከተማ ካብ ዝቆጻጸራ ንደሓር ካብታ ከተማ ምህዳኖም፡ ንገበናት እቲ ጉጅለ ዘንጸጸባቅ ባይታዊ ሓቂ ምኳኑ”ዮም ዝገልጹ።
ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ከባቢታት ከተማ ኣልፋሸር ብሰንኪ ተከሲቱ ዘሎ ስእነት መራከቢታታ፡ ኣብታ ከተማ እንታይ ይፍጸም ምህላዉ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ፡ ጥዕቃት ሓይልታት RSF ኣብ ልዕሊ ሲቭል ዜጋታት እታ ከተማ ኣሰቃቂ ሰብኣዊ ገበናት እንዳፈጸሙ ዝተዘርግሐ ኣሳእል ግን፡ ዓለም ንRSF ከም ሽበራዊ ጉጅለ ክትጥምቶ ተገዲዳ ምህላዋ”ዩ ዝእመን።
ቕድሚ ሎሚ ውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ከባቢታት ዳርፉር ልዕሊ 300ሽሕ ዜጋታት ዝቀተለ ዕጡቅ ሓይሊ RSF ብገበን ምጽናት ዓሌት ክሲ ቀሪብሉ ምጽንሑ ኣይርሳዕን።