ኢትዮጵያ ብምትኹታኽ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝጸንሓ ትዕግስቲ ይጽንቀቅ ምህላዉ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ጌድዮን ጢሞቲዎስ ገሊጹ።
ኤርትራ ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ካብ ዘስዕብ ተግባራታ ክትቍጠብን፡ ምስ ዞባዊ ሰላምን ውህደትን ዝሳነ ሃናጺ መንገዲ ክትክተልን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ድፊኢት ክገብር ጻውዒት ዘቅረበ ሚኒስተር ጌድዮን ጢሞቲዎስ፡ ማዕከን ሓበሬታ ሆርን ረቪውን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ብሓባር ኣብ ዘዳለውዎ መድረኽ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝኽተሎ ዘሎ ግጉይ ፖሊሲ ገዲፉ፡ ንብሩህ መጻእን ክልታኣዊ ምትሕብባርን ተጊሁ ዝጭበጥ ስጕምቲ ክወስድ ከምዝግባእን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ውን ጸቅጢ ክፈጥርን”ዩ ዝጽውዕ።
ኣብ ቃላቱ ንቀዳምነታት ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝዘርዘረ ምኒስተር ጌድዮን ጢሞቲዎስ፡ ሃገሩ ሰላም ምርግጋእን ዞባዊ ምትሕግጋዝን ንምድንፋዕ፡ ውፍይቲ ምህላዋ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ንሓባራዊ ልምዓታዊ ዓቕምን መጻኢ ዕድል ህዝብታት ቀርኒ-ኣፍሪቃን፡ ዞባዊ ራኢ ቍጠባዊ ውህደት ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ ኢትዮጵያ ኪንዮ”ቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝከዶ ዘሎ ኣሰካፊ ኣካይዳ፡ ኣብ መንጎ ጐረባብቲ ሃገራት ዝግበር ዘተን ሓድሕዳዊ ምርድዳእን፡ ሓባራዊ ብድሆታት ንምፍታሕን ውሑስ ዕብየት ንምስጓምን ኣገዳሲ ምዃኑ ከምእታኣምን”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣብቲ መድረኽ፡ ኣባላት ማሕበረሰብ ዓለም፡ በርጌሳዊ ማሕበራትን መራኸቢ ብዙሓንን ከምዝተረክቡን ብመንገዲ ናይ facebook ሕሳቡ ዝገለጸ ሚኒስተር ጌድዮን ጢሞቲዎስ፡ ጉጅለ ህግደፍ ዋላ’ኳ ኣብ ልዕሊ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ከቢድ ምትዅታዅን ግህሰትን እንተፈጸመ፡ ኢትዮጵያ ብልዑል ነብሰ-ግትኣት ክትሪኦ ምምራጻ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ኢትዮጵያ ዘርኣየቶ ትዕግስቲ ምእንቲ ሰላም ዝተወስደ ሕርያ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ዓቅሊ ኢትዮጵያ ይጽንቀቕ ምህላዉ”ዩ ከረድእ ዝፍትን።
ነብሰ-ምግታእ ኢትዮጵያ፡ ከም ቀጻልን ብዘይ ቅድመ-ዅነትን ክውሰድ ዝኽእል ምርጫን ጌርካ ክረአ የብሉን ክብል ዘጠንቀቐ እቲ ሚኒስተር፡ ጉጅለ ህግደፍ ንዝፍጽሞ ዘሎ ምትዅታዅን ግህሰት ግዛኣታዊ ሓድነትን ብዝርዝር እኳ እንተዘይገለጸ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ 2 ጥቅምቲ 2025 ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ግን፡ ብስም ጽምዶ ተጠሚሮም ዝርከቡ ክልቲኦም ወገናት ህግደፍን ህወሓትን፡ ንኸም ብዓል ፋኖ ዝኣመሰሉ ዕጡቓት ጕጅለታት ገንዘብን ወተሃደራዊ ስንቅን ብምቅባል፡ ይሕግዎም ኣለዉ ክብል ከሲሱ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ደብዳቢኡ ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ሰራዊት ህወሓት፡ ኣብ ወልድያ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕትን ኣብ ራያን ወልቃይትን ኣብ ዝተፈጠረ ናዕቢን ብቐጥታ ከም ዝተሳተፉ፡ ጉጅለ ህግደፍ ከኣ ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቀስ ዘሎ ዕጡቅ ሓይሊ ፋኖ ይድግፍ ምህላዉን ድሕሪ ምክሳሱ፡ ክልቲኦም ሓይልታት ህወሓትን ጉጅለ ህግደፍን፡ ንክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቅሉዕ ጋዜጣዊ መግለጺ ምንጻጎም ውን ዝዝከር”ዩ።