መራሒ ዩናግዳ ንምኳን ን8ይ ግዚኡ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ እታ ሃገር ኣብ ምውድዳር ዝርከብ ፕረዚደንት ቡሴቬኒ፡ ልክዕ ከምቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እተልዕሎ ዘላ ናይ ወደብ ሕቶ፡ ኡጋንዳ ኣፍደገ ባሕሪ የድልያ እዩ ክብል መግለጺ ምሃቡ ኬንያ ከምዝተቆጠዐት ተገሊጹ።
ካብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ፡ ኣብ ናይ 1134 ኪሎሜተር ርሕቀት ንእትርከብ ወደብ ሞምባሳ ኬንያ፡ ከም ኣፍደገ ክትጥቀም ዝጸንሐት ኡጋንዳ፡ ብመንገዲ ፕረዚደንት ሙሰቪኒ ኣቢላ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ብሰንኪ ኬንያ ህንዳዊ ውቅያኖስ ክጥቀም ኣይከኣልኩን ዝበለት ኮይና፡ መግለጺ እቲ ፕረዚደንት ንኬንያ ብኸቢድ ኣቆጢዑ ምህላዉ”ዩ VOA ኣብ ዘስፈሮ ሓበሬታ ዝገልጽ።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንጉዳይ ኣፍደገ ዩጋንዳ ኣመልኪቱ ቃሉ ዝሃበ ፕረዚደንት ሙሰቪኒ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኣፍደገ ንምርካብ ኲናት ክውልዓ ይኽእላ”የን ክብል ዝተሰምዐ ኮይኑ፡ ወዱ ንሙሰቪኒ ዝኮነ ጀነራል ሙሁዚ ሙሰቪኒ ብወገኑ፡ ወላዲኡ ንዘቅረቦ ሓሳብ ከምዝድግፎን፡ ክድፈኣሉ ከምዝግቦኦን ምግላጹ፡ ንመንግስቲ ኬንያ ኣቆጢዕዎ ምህላዉ”ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።
ባሕሪ ዘለዋ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ዝኮነት ኬንያ፡ ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ዝተላዕለ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ኮነነ ኣስሚዓ ምንባራ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኡጋንዳ ብወገና ነዚ ሕቶ እዚ ብምድጋፍ ንኬንያ ክትኸስስ ምጅማራ፡ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኪንዮ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሃገራት ምብራቅ ኣፍሪቃ ውን ሓደጋ ከየስዕብ ተሰጊኡ ይረከብ።
ኡጋንዳ ከም ኣፍደገ ባሕሪ እትጥቀመሉ ወደብ ሞንባሳ፡ ካብ ዶባታ ኣብ ነዊሕ ርሕቀት ዝርከብ ወደብ ብምኳኑ፡ ናይ ዋንነት ሕቶ ንምልዓል ዘኽእል ዕድል ከምዘይብሉ ንጹር እንዳኮነ፡ ፕረዚደንት ሙሰቪኒ ከም ኣጀንዳ ከልዕሎ ምፍታኑ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ድምጺ ንምርካብ ዝግበር ስልቲ ክኸውን ከምዝክእል”ዩ ዝእመን።