ኤርትራዊት-ሽወደናዊት መንእሰይ ቫነሳ ጽሃየ፡ ብልጽቲ ተጣባቂት ሰባኣዊ መሰል ብምኳን፡ ናይ 2025 ተሸላሚት The Magnitsky Award ክትከውን በቂዓ።
“The Magnitsky Award” ካብ 2015 ጀሚሩ፡ ዓመታዊ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኰይኖም ምእንቲ ሰብኣዊ ክብርን ፍትሒ ሰባትን ሓቂ ዓጢቖም ንዝቃለሱ ጋዜጠኛታት፡ ፖሎቲከኛታት ከምኡ ድማ ነጠፍቲ ሰብኣዊ መሰል ዝውሃብ፡ ኣብ ከተማ ሎንደን ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ናይ ክብሪ ሽልማት ኮይኑ፡ ኤርትራዊት ሽወደናዊት መንእሰይ ቫነሳ ጸሃየ ሰባኣዊ መሰል ንምክባር ብዝከፈለቶ ተጋድሎን፡ ዘንጸባረቀቶ ሰባኣዊ ኣተሓሳስባን፡ ብልጽቲ ተጣባቂት ሰብኣዊ መሰል ዝብል ክብሪ ክህብዋ ምውሳኖም”ዮም፡ ኣካየድቲ እቲ መደብ፣ ኣብ መርበብ ሓበሬታ Magnitsky Human Rights Award ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ ዝገልጹ።
ኣብ 1996 ኣብ ሃገረ ሽወደን ዝተወልደት መንእሰይ ቫነሳ ጽሃየ፡ ገና ጓል 5 ዓመት እናሃለወት፡ ኣብ 2001 ኣብ ኤርትራ ንዝተኣሰረ ኣኩኣ ተጋዳላይ፡ ጋዜጠኛ፡ ስኣላይ፡ ጀማሪ ኣገልግሎት ተሌቭዥን ኤርትራ ስዩም ጽሃየ ፍትሒ ንምሕታት፡ “One Day Seyoum” ዝተሰምየ ናይ ሰባኣዊ መሰል ጻውዒት፡ ኣብ 13 ዕድሚኣ ምጅማራ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ሎሚ ረኪባቶ ዘላ ናይ ክብሪ ዓወት፡ ካብ ናይ ህጻንነት ዕድሚኣ ኣትሒዛ፡ ተፈጥሮኣዊ ሰባኣዊ መሰል ኣህዛብ ክኽበር ንእትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ኣብ ግምት ዘእተወ ምኳኑ”ዩ ዝንገር።
ኣብ 13 ዕድሚኣ ናይ ሰብኣዊ ሕቶ ንጥፈታታ ንምስፋሕ ዝተላዕለት ቫነሳ፡ ኤርትራውያን ናይ ፖሎቲካን ሕልናን እሱራት ፍትሒ ክረኽቡ፡ ናጽነት መራኺብ ብዙሓን ክህሉ፡ መስርሓት ሕጊ ዘይክተሉ ማእሰርቲን ስግረዶባዊ ጸቕጢን ዶው ክብሉ፡ ዝከኣላ ጻዕሪ ብምክያድን፡ ድምጺ ዕቡሳን ብምኳንን ኩነታት ሃገርና ንማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ምስማዕ ተራኣ ዝተዋጸአት፡ ኣብ ቃልስን መጎተን ካብ ዝርከቡ መንእሰያት ፍትሒ ኮይና፡ ረኪባቶ ዘላ ዓወት ምስ ዕላማታት እቲ ትካል ብዝግባእ ዝሳነን ኣፍልጦ ዝግቦኦን ምኳኑ”ዩ ዝእመን።
ሽልማት “The Magnitsky Award” ንኽብሪ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተቐትለ ዝንገረሉ፡ ብዙሓት ዓበይቲ መንግስታዊ ብልሽውና ዘቃልዐ ሩስያዊ ጠበቓ Sergei Magnitsky ዝውሃብ ናይ ክብሪ ሽልማት ኮይኑ፡ 16 ሕዳር 2025 ኣብ ከተማ ለንደብ ኣብ ዝካየድ 10ይን ታሪኻዊ ዕለተ መስረትኡን ንመንእሰይ ቫነሳ ጸሃየ ክሽልም”ዩ።
ኣብ ከተማ ሎንደን ብቀዳማይ ዲግሪ ሕጊ ዝተመረቐት መንእሰይ ቫነሳ ጸሃየ፡ ኣብ 2013 “ሽልማት ዳዊት ኢሳቕ”፡ ኣብ 2016 ከኣ Freedom of Expression Award ንዝብል ናይ ክብሪ ሽልማት ክትዕወት በቂዓ ምንባራ ድሕረባይታኣ ዝሕብር ኮይኑ፡ 16 ሕዳር 2025 ኣብ ከተማ ሎንደን ኣብ ዝካየድ ጽንብል “The Magnitsky Award” ናይ ክብሪ ሽልማታ ክትቕበል ትጽቢት ይግበረላ።