ኣብ ወልቃይት ጸገደ ዞባ ሰቲት ሑመራ፡ ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር ከተማ ዳንሻ፡ ጸረ ዳጋማይ ጥፋኣት ዝተሰምየ ወተሃደራዊ ስልጠና፡ ንኣባላት “ተከዜ ዘብ” ይወሃብ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ኣብቲ ናይ ስልጠና መደባት፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ 5ይ ሜካናይዝድ ክፍለ ሰራዊት ጀነራል መልካሙ በየነ፡ ምክትል ኣቦ መንበር ኮሚቴ መንነትን ዶባትን ወልቃይት ጸገዴ ኣቶ ጌጤ ኣዳል፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ሜጀር ሃፍቶም ይርጋ፡ ኣመሓደርቲ ከተማ ዳንሻን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ፌደራልን ተረኺቦም ምንባሮም ዝተገልጸ ኮይኑ፡
ብመንነቱ ተደፊኡ ዝጸንሐ ህዝቢ ኣምሓራ ወልቃይት ጸገዴ፡ ዳግማይ ብሸፋቱን ወረርትን ከይግፋዕ፡ ብወተሃደራዊ ብታዕሊም ክዳሎ ከምዝግባእ”ዩ ጀነራል መልካሙ በየነ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣብቲ መደብ ዝተሳተፈ ምክትል ኣቦ መንበር ኣስመላሽ ኮሚቴ ዝኮነ ኣቶ ጌጠ ኣዳል ብወገኑ፡ ኣብ መንነትናን ዶባትናን ዘለና ሕቶ ሓቀኛ ሕቶ’ዩ ዝበለ ኮይኑ፡ ንሓቂ ብሓቂ ተቓሊስና ናብ ሓቀኛ ኣምሓራ መንነትናን ዶብናን ተመሊስና ኣለና ብምባል፡ እቲ ኣከራካሪ ዞባ ዘየካትዕ ዋንነት ኣምሓራ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ኣቶ ጌጠ ወሲኹ፡ ህዝቢ ወልቃይት ጸገዴ ብኩሉ ዓይነት ማሕበራዊ ሂወቱ፡ ስነ-ልቦኑኡን ቛንቑኡን፡ ኣካል ህዝቢ ጎንደር ኣምሓራይ’ዩ ዝበለ ኮይኑ፡ ምምላስ ኣምሓራዊ መንነትናን ዶባትናን ክሳብ ብወግዒ ዝረጋገጽ፡ ዝኾነ ይኹን ቃልሲ ክንቃለስ ኢና” ብምባል መርገጺኦም ንጹር ምህላዉ”ዩ ዝግልጽ።
ኣዛዚ 5ይ ሜካናይዝድ ክፍለ ሰራዊት ጀነራል መልካሙ በየነ ብወገኑ፡ ትማሊ ንሰሜን እዝ ዝኸሓደ ወያነ ምስ መሻርኽቱ ብምኳን ኢትዮጵያን ኣምሓራን ንምድኻም ይሰርሕ ኣሎ ድሕሪ ምባል፡ ብመንነቱ ተገፊዑ ዝጸንሐ ህዝቢ ኣምሓራ ክኽበርን፡ ኣብ ዳግማይ ናይ ሸፋቱ ኢድ ከያኣቱን፡ እቲ ጸረ ዳግማይ ጥፋኣት ዝተሰምየ ወተሃደራዊ ስልጠና ክቅጽል ምኳኑ”ዩ ዝግለጽ።
ጥንታውያን ጸላእትና፡ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትና ንምግሓጥ፡ ምስ ናይ ውሽጢ ጸላእቲ ጕጅለታትን ባንዳታትን ብምትሕብባር፡ ዞባና ናብ ዓውደ ኲናት ንምቅያሩ ይጽዕሩ ኣለዉ ዝበለ ጀነራል መልካሙ፡ ሃገርና ንኸይትልምዕ ኣብ ጻዕሪ ዝርከቡ፡ ጸረ ሰላም፡ ጸረ ኣምሓራን ጸረ ኢትዮጵያን ዝኮኑ ሓይልታት፡ ክንቃለሶምን ክንቃወሞምን ይግባእ ክብል”ዩ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።
ምዕራብ ትግራይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሃብታም ዞባ ወልቃይት ጸገዴ ሰቲት ሕሞራ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ትሕቲ ክልል ኣምሓራ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንክልቲኦም ሓይልታት ፋኖን ህወሓትን ብፖለቲካ ጽምዶ ዝጠመረ ጉጅለ ህግደፍ፡ ጉዳይ ወልቃይት ገዲፎም ናብ ኣራት ኪሎ ጥራሕ ክጥምቶ ጌሩ እኳ እንተሃለወ፡ ወላ ውን ድሕሪ ምእላይ መንግስቲ ብልጽግና፡ ጉጅለ ህግደፍ ብጉዳይ ወልቃይት ካብ ክልቲኦም ሓይልታት ፋኖን ህወሓትን ንሓዲኦም ክመርጽ ከገድዶ ምኳኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ጉዳይ ዞባ ወልቃይት መዓስ ከምዝነቱግ ዘይፍለጥ time bomb ምኳኑ”ዩ ዝንገረሉ።