መንግስቲ ካናዳ ናብ ኢትዮጵያ ንዝግበር ዝኮነ ይኩን ጉዕዞ ኣመልኪቱ ሓድሽ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ከምዘውጸአ ተገሊጹ።
እቲ ብቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ካናዳ ኣቢሉ ዝወጸ መጠንቀቕታ፡ “ኣገዳሲ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ናብ ኢትዮጵያ ኣይትግሹ” ዝብል መልእኽቲ ከምዘለዎ ዝተነግረ ኮይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ንዘሎ ግጭት፡ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ዕጥቃዊ ጎንጺ፡ ገበናዊ መርበባትን ምስፍሕፋሕ ሓድሽ ቫይረስ ማርቡርግን ከም ምኽንያት ብምጥቃስ፡ ዜጋታት ናብ ኢትዮጵያ ካብ ምጋሽ ክቁጠቡ ከምዝግባእ”ዩ ኣጠንቂቑ ዝርከብ።
እዚ ንኸተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዘይምልከት ዝተገልጸ ናይ መጠንቀቕታ መግለጺ፡ ጸጥታዊ ኩነታት እታ ሃገር ሃንደበት ክዕንቀፍ ስለዝኽእል ብምግላጽ ንዜጋታቱ ዘጠንቀቐ ኮይኑ፡ ይኹን’ምበር ወላ ውም እቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገሹ ዜጋታት፡ ኣብ ጉዕዞኦም ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዘለዎም ብምጥቃስ፡ ኣብታ ከተማ ዝረአ መጠን ገበን ውን ኣዝዩ ልዑል ብምዃኑ፡ ኣብ ካሎኦት ቦታታት ዝተወለዐ ግጭታት ብፍጥነት ናብታ ከተማ ከይልሕም ዘለዎ ስጋኣት ብምቅማጥ፡ ዜጋታቱ ጥንቃቐ ከቀድሙ መኪሩ።
ዜጋታት ካናዳ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ፡ ናብ ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይን ቤንሻንጉል ጉሙዝን፡ ፈጺሞም ክጓዓዙ የብሎምን ዝበለ መንግስቲ ካናዳ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ውን ብተመሳሳሊ፡ ናብ ዞባ ሰሜን ሽዋ፡ ምዕራብ ሽዋ፡ ምዕራብ ወለጋ፡ ምብራቕ ወለጋ፡ ቄሌም ወለጋን ሆሮ ጉድሩን ወለጋን ፈጺሞም ክኸዱ ከምዘይብሎም ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ናብዚ ከባቢታት ምስ ዝንቀሳቀሱ፡ ኣብ ማዕከል ናይ ግጭት ቦታ ብምእታው፡ ናይ ጭውያ ተግባራት፡ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕትን ክበጽሖም ከምዝክእል ብምትሕስሳብ፡ ብዝፍጠር ሃንደበታዊ ኩነታት መንግስቲ ካናዳ ሓላፍነት ክወስድ ክጽገም ከምዝኮነ”ዩ ኣጠንቂቑ ዝርከብ።
ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ዝበኣሰ ብሄራዊ ምትፍናን ወዲቓ፡ ኣብ ሞንጎ ዜጋታታ እታ ሃገር ዘይዓርፍ ዝመስል ደማዊ ኲናት ከይውላዕ ብኸቢድ ተፈሪሁ ምህላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ድሕሪ”ቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዩኒቨሪስትታት እታ ሃገር ዝተራእየ ኣድማ መንእሰያት፡ ብዘይካ መንግስቲ ካናዳ ብርክት ዝበላ ሃገራት ውን ዜጋታተን ብቅልጡፍ ካብታ ሃገር ክወጹ ኣብ ምጥንቃቕ ምህላወን ዝፍለጥ”ዩ።