ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ውልቃዊ ተበግሶ ንዝነበሮም 28 ተቃለስቲ፡ ብመንገዲ ትካል ኤሪፒኤም ናይ ጋዜጠኘነት ሞያ፡ ልዕሊ 100 ተቓለስቲ ተማሃሮ ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ኣመሪቆም፡ ናብ ስራሕ ዓለም ናይ ቃልሲ ኣበርልቶን ክዋፈሩ ኣብ ምግባር ምጽምሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ዞባ እስራኤል ብተመሳሳሊ፡ ነብሶም ንምዕባይ ብውልቃዊ ናይ ፋይናንስ ዓቅምታቶም ክማሃሩ ንዝጸንሑ ተቓለስቲ ዝተወሰነ ድጋፍ ብምግባር ኣብ ምርቃ ክበጽሑ ምግባሩ ተገሊጹ።
ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ዞባ እስራኤል፡ ዕብየት ናይ’ዞም 86 ዝቁጽሮም ተማሃሮ፡ ኣብ እንገብሮ ዘለና ቃልሲ ኣንጻር ዓመጽ ተወሳኺ ሓይሊ ምኻኑ ብምግንዛብ፡ ፍልጠት ዘአንግድ ባይታ ብምድላው፡ ዕብየቶም ብቐረባ ክከታተል ምጽንሑ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ብደረጃ ዓቅሚ እቲ ምንቅስቃስ ብዝተገብረ ደገፋት፡ ሞያዊ ዓቅምታቶም ዘዕብይሉ ዕዉት ናይ ስልጠና ግዜ ኣሕሊፎም ኣብ ምርቃ ምብጽሖም”ዩ ዘረጋግጽ።
ኣብ 2024 ብተመሳሳሊ፡ ብዮሴፍ ኣካዳሚ ዝተዳለወን፡ ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝቀጸለን ግላዊ ዕብየትን መሪሕነትን፡ ብዓወት ምዝዛሙ ዝፍለጠ”ዩ ዝበለ ሓበሬታ ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ዞባ እስራኤል፡ ካብ 90 ተማሃሮ ተሳተፍቲ ፡ 86 ብሰርተፊከት ክምረቁ በቂዖም ምህላዎም”ዩ ዝገልጽ።፡
መምህር ብምኳን ነዚ ኣገዳሲ ትምህሪት ዘቅሰሙን ዝመርሑን ዶ/ር ዳኒኤል ህብታይ፡ ዘምሃረሉን ዝደኸመሉን ዕላማ ኣብ ፍረበጺሑ ንክሪኡ፡ ካብ ዓዲ-እንግሊዝ ናብ እስራኤል ተጓዒዞም ኣብቲ ናይ ምርቃ ስነስርዓት ከምዝተረክቡ ብምጥቃስ፡ እቲ ዝተዳለወ መደብ ብጽቡቅ መንፈስ ከምዝተካየደ”ዩ ዝገልጽ።፡
ኣብቲ ዝተካየደ ስነ-ስርዓት ምርቓ፡ ስልጠንቲ ተመረቅቲ፡ ዑዱማት ኣጋይሽን ላዕለዎት ኣመራርሓ ህ/ማ/ብ/ንሓመዱ ኤርትራውያን ዞባ እስራኤል ተረኺቦም ምንባሮም ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ህዝባዊ ማዕበል ብርጌድ ንሓመዱ ዞባ እስራኤል፡ ዝተጀመረ መደባት ክዉን ኣብ ምግባር ዝተሳተፉን፡ ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ ግዚኦም፡ ገንዘቦምን፡ ንዝኸፈሉ ኩሎም ግዱሳት ተቓለስቲ፡ ምስጋኑኡ ከምዘብጽሐ”ዩ እቲ ካብ ቴላኣቪቭ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ዘረድእ።