ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት፡ ኣብ ትሕቲ ኣረሜናዊ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ብምውዳቃ፡ ቁጽሪ ኣልቦ ፍልሰት ዜጋታት ኣብ ምእንጋድ ዝጸንሐት ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ 6 ዓመታት ብነኣሽቱ ጀላቡ ባሕሪ ክሰግሩ ዝፍትኑ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ዘለዋ ሃገር ኮይና ምህላዋ ዝተገብረ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ኣረዲኡ።
እቲ ብመንገዲ ሚግሬሽን ኦብዘርቬሽን ዝወጸ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ካብ 2018 ክሳብ 2024 ኣብ ዘሎ ግዚያት፡ ብነኣሽቱ ጀላቡ ዓቢ ቁጽሪ ስደት ዜጋታት ንዘመዝገባ ሃገራት ዓለም ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኤርትራ ንኢራን፡ ኣፍጋኒስታን፡ ዒራቅ፡ ኣልባንያን ሶርያን ስዒባ፡ ብነኣሽቱ ጀላቡ ዓቢ ፍልሰት ዜጋታት ዝፍጸመላ ሃገር ኮይና ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
ኤርትራ እትርከበን ሃገራት ኢራን፡ ኣፍጋኒስታን፡ ዒራቅ፡ ኣልባንያን ሶርያን፡ 70% ናይቲ ብነኣሽቱ ጀላቡ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ስደትን ፍልሰትን ዜጋታት ብሒተኖኦ ምህላወን ዝተገልጸ ኮይኑ፡
ኢራን 17%፡ ኣፍጋኒስታን 15%፡ ዒራቅ 12%፡ ኣልባንያ 10%፡ ሶርያ 9%፡ ከሙኡ ከኣ ኤርትራ 8% ድምጺ ብምሓዝ፡ ዜጋታተን ብናይ ሞትን ሂወትን መንገዲ ናብ ውሑስ ዓለም ክሰግሩ ዝፍትኑ ውዱቃት ሃገራት ኮይነን ምህላወን”ዩ እቲ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ምንጪ ግዚፍ ፍልሰት ዜጋታት ናይዘን ዝተጠቅሳ ሃገራት፡ ከቢድ ውሽጣዊ ዕግርግር፡ ከቢድ ግህሰት ሰባኣዊ መሰል፡ ገደብ ኣልቦ ወተሃደራዊ ዕስክርንና፡ ውልቀምልካዊ ስርዓተ ምሕደራን ምኳኑ ኣብነት ኣሰንዩ ዘቀመጠ እቲ ትካል፡ ኲነታት ናይታ ጉጅለ ህግደፍ ደሴት ሰላም እምዳበለ ዝጽውዓ ኤርትራ፡ ካብዘን ብዓሌታዊ ግጭትን ኲናትን ዝሕመሳ ዘለዋ ሃገራት ብተዓጻጻፊ ከምዝብርክ”ዩ ዝገልጽ።
ናይ ኤርትራ መንግስቲ’ የ ዝብል ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣዝዩ ጨካን፡ ብዘይ ዝኮነ ኲናትን ድምጺ ጥይት ብሰላሕታ ዜጋታት ኣብ ምሕቃቅ ዝዋፈር፡ ዕድመ ብዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ተስፋ መንእሰያት ዘጸልምት፡ ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ዝካየድ ናይ ምእሳርን ምጭዋይን ተግባራት ዝፍጽም፡ ዜጋታት ምስቃይ፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ምኽልካልን ካልእን ዛኣመሰሉ ገበናት ብምፍጻም፡ ኤርትራውያን ካብ ኣብ ዓዶም ምንባር ንላዕሊ፡ ወላ ውን ንሞት ክመርጹ ዝገብር ጉጅለ ምኳኑ”ዩ እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዝገልጽ።
ጉጅለ ህግደፍ ብመንገዲ ናይ ሚዲያ መሓውራቱ ኣቢሉ ኣብ ዝገብሮ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዘመተ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድምጺ ጥይት ዘይስመዓላ ሰለማዊት ሃገር ምህናጹ ክገልጽ ዝስማዕ እኳ እንየኮነ፡ እቲ ሓቂ ግን ባኣንጻሩ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ካብቲ ድምጺ ጥይት ዘይብሉ ናይ ሞት ረጋጺ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ንምርሓቅ፡ ወላ ውን ነቲ ዓቢ ናይ ሞት ዕድላት ዘለዎን ብዘይብቁዓት ጀላቡ ዝካየድ ናይ ባሕሪ ጉዕዞን፡ ከም ኣማራጺ ክሪኦ ይግደድ ምህላው”ዩ ዝጠቅስ።