ኤርትራ ዘይተሳተፈቶ ወተሃደራዊ ልምምድ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ማያዊ ግዛኣት ባሕሪ ሱዕዲ ዓረብ ከምዝተካየደ ተገሊጹ።
እቲ “ቀይሕ ማዕበል 8” ዝብል መጸውዒ ዝተዋህቦ ሓባራዊ ልምምድ፡ ብመሪሕነትን ምውህሃድን ግብጽን ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ዝተኻየደ ምዃኑ፡ ሃገራዊ ሰራዊት ግብጺ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ማያት ስዑዲ ዓረብ ዝተኻየደ “ሓባራዊ ስርሒት” ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ክልቲኤን ሃገራት፡ ከምኡ’ውን ካብ ዮርዳኖስ፡ ሱዳን፡ የመንን ጂቡቲን ዝተወከሉ ሓይልታት ከምዝተሳተፉ”ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ኣብ ምውሓስ ጸጥታን ድሕነትን ቀይሕ ባሕሪ፡ ተራ ግብጽን ስዑዲን ክዓቢ ከምዘለዎ ክትምጉት ዝጸንሐት ኤርትራ ኣብቲ ዝተካየደ ሓባራዊ ልምምድ ከምዘይተሳተፈት ዝተገልጸ ኮይኑ፡ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ናብ ካይሮ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ኣብ ምሕላው ጸጥታዊ ኩነታት ቀይሕ ባሕሪ ግደ ግብጺ ክዓቢ ከምዝግባእ ገሊጹ ምንባሩ ዝስከር”ዩ።
ኣብ ቃለመሕተቱ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እንርከብ ሃገራት፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ንጹር መርገጺ ክህልወና ይግባእ ዝበለ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ጉጅለ ህግደፍ ከም መንግስቲ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዘቕረቦ 12 ነጥቢታት ዘሓዘ ሓሳብ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ሓደ ካብኡ ሃገራት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ጸጥታዊ ትካላተን ብምሕያል ውሕስነት ናይቲ መስመር ከረጋግጻ ዝጠልብ ምኳኑ፡ ኣብቲ ምስ ማዕከናት ዜና ግብጺን ኤርትራን ዘካየዶ ቃለመሕትት ምግላጹ ዝፍለጥ”ዩ።
ኣብ ናይ ግብጺ ቃለመሕተቱ ኤርትራ ገማግም ባሕራ ከተውሕስ ትኽእል እያ ዝበለ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ሶማልያ፡ የመን፡ ጅቡቲ፡ ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ውን ብተመሳሳሊ ገማግም ባሕረን ከውሕሳ ዓቅሚ ከምዘለወን ብምጥቃስ”ዩ ግደ ግብጺ ዓቢ ክኸውን ከምዝግባእ ዝጠቅስ።
ስዑዲ ዓረብ እትመርሖ ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ቐይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን፡ ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ 2020 ኣብ ሪያድ ተኻይዱ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብቲ ኤርትራ ዝተሳተፈቶ ዋዕላ ዝተሳተፋ ሃገራት፡ ሓደ ቤትምኽሪ ከም ዝመስረታን፡ ቻርተር ናይቲ ቤትምኽሪ ኣብቲ ኣኼባ ከም ዘጽደቓን ኣፍሊጠን ምንባረን ኣይርሳዕን።
እዚ ንሃገራት ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ጁቡቲ፡ ሶማልያ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ግብጺ፡ የመንን ዮርዳኖስን ዘጠቓልል ኪዳን፡ ኣብ መንጎ እዘን ኣባል ሃገራት ዞባዊ ጸጥታን ምትሕግጋዝን ንምድንፋዕ ክዓዪ ምኳኑ ዝንገረሉ እኳ እንተኮነ። ክሳዕ ሕጂ ኣብ ምንታይ ከምዝበጽሐ ዝፍለጥ ነገር የለን።
ኣብዚ ዞባ ኣገዳሲ ጽልዋ ክህልዎ ዝደሊ ውልቀመላኪ ኢሰያስ፡ ከም ግብጽን ስዑድን ዝበላ ዓበይቲ ሓይልታት ኣብ ዝቆጻጸርኦ ወተሃደራዊ ስርሒታት፡ ክሳተፍ ሸውሃት ክህልዎ ከምዘይኮነ ሰፊሑ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ንምዕባለታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባ ቀይሕ ባሕርን ብቐረባ ዝከታተል ዓብዱራሕማን ሰይድ፡ ኤርትራ ናጽነታ ንክትዕቅብ፡ ኣብ ብዙሓት ዝሳተፍዎ ዓለምለኻዊ መድረኻት ክትህሉ ድላይ እኳ እንተለዋ፡ ዘለዋ ዕቃበታትን ግብራዊ ሕጽረታትን” ከይትሳተፍ ካብ ዝገበርዋ ሕጽረታት ምዃኖም”ዩ ዘረድእ።