ኣብ ሊብያ ኣብ ትሕቲ መሓዩር ዝጸንሑ 165 ሶማላውያን ስደተኛታት፡ ብሓገዝ IOMን ሕብረት ኤውሮጳን ብሰላም ናብ ሃገሮም ከምዝተመልሱ infomigrants ዝተሰምየ ማዕከን ሓበሬታ ገሊጹ።
IOM ምስ መንግስቲ ሊብያ፡ መንግስቲ ሶማልን ሕብረት ኤውሮጳን ብምትሕብባር፡ ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት፡ ካብ መሓዩር ኣውጺኡ ናብ ሃገሮም ኣብ ምምላስ ክሰርሕ ምጽንሑ ዝገለጸ infomigrants፡ ኣብ’ዚ ሳልስቲ ናብ ሃገሮም ብሰላም ምዝተመልሱ 165 ሶማላውያን ስደትርኛታት ሓዊስካ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራሕ ብሓገዝ IOM ካብ ሊብያ ናብ ሶማልያ ዝተመልሱ ስደተኛታት ልዕሊ 550 በጺሑ ምህላዉ”ዩ ዘረድእ።
እታ 165 ሶማላውያን ስደተኛታት ሒዛ ካብ ትሪፖሊ ዝነቀለት ነፋሪት፡ ፈለማ 13 ስደተኛታት ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኤጋል ከተማ ሃርጌሳ ክወርዱ ድሕሪ ምግባራ፡ ዝተረፉ 152 ተጓዓዝቲ ሒዛ፡ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣደን ኣቡድሌ መቃድሾ ብሰላም ከምዛኣተወት ዝገለጸ infomigrants፡ መንግስቲ ሶማል ውን ንኩሎም እቶም ማእሰርቲ ዝጸንሑ ዜጋታቱ ብሰላም ከምዝተቀበሎም”ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ኣብታ ነፋሪት ካብ ዝነበሩ 165 ስደተኛታት፡ መብዛሕትኦም ትሕቲ 25 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ምኳኖም ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ 27 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ውን፡ ምስቶም ንኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ስደተኛታት ብምኳን ክሳቀዩ ምጽንሖም”ዩ ዝገልጽ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (IOM)፡ ኣብ ሊብያ ብሰምሰርትን፡ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ዝኮኑ ጉጅለታትን፡ ናብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ፡ ምዝመዛን ግህሰት ሰባኣዊ መሰለን፡ ኣዝዩ ከቢድ ምኳኑ ካብ ቃለ ምስክርነት ሶማላውያን ስደተኛታት ክርዳእ ከምዝኸኣለ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኩሎም እቶም ብሰላም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ፍቃደኛታት ዝነበሩ ሶማላውያን፡ ብሕብረት ኤውሮጳ ካብ ዝምወል መደብ ወለንታዊ ሰብኣዊ ምምላስ (VHR)ን IOMን ዝተወሰነ ደገፍ ረኺቦም ምህላዎም”ዩ ዝነግር።
ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ዓመታዊ ኣብ ሊብያ ከምዝሳቀዩን ኣደዳ ሞትን መግረፍትን ከምዝኮኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር እቲ ንነብሱ መንግስቲ ኤርትራ ብምባል ዝጽውዕ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ቅንጣብ ሓላፍነት ዘይብሉ ጉጅለ ብምኳኑ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዓመታዊ ኣደዳ ሰምሰርትን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባትን ብምኳን ኣብ ሽግር ከምዝወድቁ ዝፍለጥ”ዩ።