እስራኤል ኣብ ሰሜናውን ማእከላይን ክፋል ጋዛ ብዘካየደቶ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ብውሕዱ 22 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐትሉ፡ ሰብመዚ ሕክምናን ሲቪላዊ ምክልኻልን ገሊጾም።
እቲ ደብዳብ ነፈርቲ፡ መንበሪ ኣባይቲ ንዝርከብሉ ከባቢታት ሓዊስካ፡ ኣብ ሓሙሽተ ዕላማታት ከምዝወደቐ ዝሓበሩ ኮይኖም፡ በቲ ደብዳብ ካብ ዝሞቱ ግዳያት ሓደ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ዕጡቅ ጉጅለ ሓማስ ምኳኑ”ዮም፡ ምንጭታት እቲ ከባቢ ዝሕብሩ።
ሰራዊት እስራኤል ብወገኑ፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ጋዛ ዒላማታት ከም ዝሃረመ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ “ዕጡቅ ሽበራዊ” ጉጅለ ሓማስ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እስራኤል ንዝርከብን “ብጫ መስመር” ተባሂሉ ንዝተሰምየን መፍለዪ ከባቢታት ሰጊሩ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራት እስራኤል ተኹሲ ድሕሪ ምክፋቱ ዝተወስደ ግብረመልሲ ምኳኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ዕጡቅ ጉጅለ ሓማስ ብወገኑ ንመግለጺ ሰራዊት እስራኤል ጸለመ ምኳኑ ብምጥቃስ”ዩ ነጺግዎ ዝርከብ።
ክልቲኦም ወገናት ቅድሚ ሽዱሽተ ሳምንታት ንዝተኸተመ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦኦ ብምጥሓስ፡ ነንሕድሕዶም ኣብ ምጥቕቓዕ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡
ስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦኦ ተግባራዊ ካብ ዝኮነሉ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣብ ዘሎ ግዚያት ጥራሕ፡ ልዕሊ 310 ፍልስጤማውያን ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ከምዝተቀትሉ”ዩ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና ጋዛ ዘረጋግጽ።