ትማሊ ኣብ ክልል ዓፋር ከባቢታት ኤርታል ዝነቶገ እሳተጎመራ፡ ዝፈጠሮ ድምጽን ዒግታ ትክን ኣብ ህዝቢ እቲ ከባቢ ከቢድ ስክፍታ ፈጢሩ ምህላዉ ተገሊጹ።
ክልል ዓፋር ከባቢታት ኤርታል ዝርከብ እሳተጎመራ፡ ብደረጃ ዓለም ኣለዉ ካብ ዝበሃሉ ንጡፋት እሳተ ጎመራታት ሓደ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ትማሊ ድሕሪ ምንታጉ ዝተሰምዐ ድምጽን፡ ፈጢርዎ ዘሎ ብርቱዕ ናይ ትኪ ዒግታን ግን፡ ኣቀዲሙ ካብ ዝተከስተ ዝተፈልየ ብምኳኑ፡ ኣብ ህዝቢ እቲ ከባቢ ስክፍታ ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
እቲ ትማሊ ረፋድ ኣብ ኤርታል ዝነተጎ እሳተጎመራ፡ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት እታ ክልል ብርቱዕ ድምጺ ከምዝፈጠረን፡ እቲ ኣዝዩ ብርቱዕ ምንባሩ ዝተነግረሉ ነታጒ ድምጺ ክሳብ ቆቦ፡ ላሊበላን ሰቆጣን ናይ ክልል ኣምሓራ ከምዝተሰምዐን”ዮም ነበርቲ ዝገልጹ።
ብሰንኪ’ቲ ከቢድ ኖትግን፡ እሳተ ጎመራ ዝፈጠሮ ብርቱዕ ዒግታ ትክን፡ ኣብ ቀረባ ከባቢታት ኤርታል ንዝርከቡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብሕጽረት ንጹህ ኣየር ክሳቀዩ ጌሩ ምህላዉ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ካብ ኖትጊ እሳተ ጎመራ ንሰማይ ዝተዘረአ ሓሙኽሽትን ሓመድን፡ ንከባቢታት ኤርታል ሓሊፉ፡ ናብ ከተማ ኣፍደራን ከባቢኣን ይዝርጋሕ ምህላዉ፡ ኣብ ሂወት ዜጋታት ሓደጋ ከይፈጥር ስጋኣት ፈጢሩ ይርከብ።
ኣብ ሰመራ ዩኒቨርሲቲ፡ ፕሮፌሰር ስነ-ምድራዊ ስነ-ፍልጠት ዝኮነ ኖራ ያኒሚዮ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ካብ ኖትጊ ዝተፈጥረ ናይ ደሮና ሓሙኽሽቲ፡ ጨና ሳልፈር ዝዓይነቱ ንስርዓተ ምትንፋስ ክጻባእ ዝክእል ባእታ ከምዘለዎ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ብዘይካ ሕጽረት ትንፋስ ካልእ ተወሳኺ ጸገማት ውን ከስዕብ ስለዝኽእል፡ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ፡ ኣፍ ኣፍንጫን ዓይንን ዝሽፍኑ፡ ከም ማስክን መነጽርን ዛኣመሰሉ መከላኸሊ ናውትን ክጥቀምን፡ ግቡእ ጥንቃቐ ከዘውትርን ከምዘለዎ”ዩ ዘተሓሳስብ።