ላዕለዋይ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ስዊዘርላንድ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ነበርቲ እታ ሃገር፡ ፓስፖርት ወይ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ፡ ናብ ኤምባሲ ጉጅለ ህግደፍ ብምቅራብ፡ ናይ ጣዕሳ ክታሞም ኣንቢሮም ወረቀት ንከምጹኡ ዘገድድ መስርሕ ክሓልፉ ግዴታ የብሎምን ብምባል ውሳኒኡ ከምዘሕለፈን፡ ኤርትራውያን ነበርቲ እታ ሃገር ዝግደድሉ ጉዳይ ክኸውን ከምዘይኮነን ብ20 ሕዳር ኣብ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ስዊዘርላንድ ኣብ መግለጺኡ፡ ናብ ኤምባሲ ጉጅለ ህግደፍ ብምቅራብ መረጋገጺ ሰነዳት ከተቅርብ ዝሓትት መስርሕ፡ ምስ ሰብኣዊ መሰላትን ሃገራዊ ቅዋም ስዊዘርላንድን ዘይቃዶ እዩ ዝበለ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ገዛእ ሃገሮም ናብ ዝሰጎጎም ጉጅለ ህግደፍ ብምቅራብ፡ ሰነዳት ከማሉኡ ዝሕተትሉ መስርሕ ሕጋውነት ከምዘይብሉን፡ ቅብሉ ከምዘይኮነን”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ናብ ኤምባሲ ጉጅለ ህግደፍ ቀሪብካ ንዝወሃብ ናይ ጣዕሳ ቃል ኣብ መግለጺኡ ዝጠቀሰ እቲ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ፡ ሓደ ሰብ ካብ ሃገሩ ብምውጹኡ ጥራሕ፡ ብግዴታ ገዛእ ነብሱ ክኸስስ ዘግደድ መስርሕ ቅቡል ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝነብርን፡ ተቖጺሩ ዝሰርሕን ሰብ፡ ብዝኮነ ይኩን መዐቀኒ ገበነኛ ኢካ ክትብሎ ከምዘይከኣል”ዩ ዘረድእ።
ብሕቶ ሰባኣውነትን፡ ቅዋማዊ ሕጋዊ ፖሊሲታት እታ ሃገርን፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ወላ ውን ብዘይ ፓስፖርት፡ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ናይ ምርካብ መሰሎም ተረጋጊጹ ምህላዉ ዘበሰረ እቲ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ፡ እዚ ብይን እዚ ንኹሎም ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ብዘይ ቅድመ ኩነት ዓቢ ዓወት ምኳኑ ብምጥቃስ፡ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ፖሊስቲታት እታ ሃገር ብግዴታ “ናይ ጣዕሳ ወረቀት” ክፍርም ዝግደድ ሰብ ከምዘየለ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ስዊዘርላንድ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ግቡእ ሕጋዊ መንበሪ ፍቃድ ንምርካብ ካብ ኤምባሲ ጉጅለ ህግደፍ ኣፍልጦ ክረክቡ ዘገድድ ሕጊ ነዲፋ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ተቃለስቲ ንፍትሒ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘለዎ ኣጠማምታ ከስተካክልን፡ ሰባኣዊ መሰል ኤርትራውያን ከኽብርን ክገብርዎ ድሕሪ ዝጸንሑ ሓያል ቃልሲ፡ ስዊዘርላንድ ንጉጅለ ህግደፍ ዝጸፍዕ ስጉምቲ ምውሳዳ ብቀሊል ዝጥመት ኣይኮነን።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ዝከድዎ ሃገራት ቀሲኖም ከይነብሩን፡ ምሉእ ሓርነት ከይእውጁን፡ ብመንገዲ ኤምባሲታቱ ኣቢሉ ክሳብ ንዜጋዊ መሰሎም ዝጸባጸብ ሕግታት ኣብ ምንዳፍን ኣብ ምስግዳድን ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ስዊዘርላንድ ነቲ ኣቀዲማ ዝወጠነቶ ናይ ኣስገዳድ ውሳነ ክስረዝ ምውሳና፡ ንጉጅለ ህግደፍ ቀሊል ጽፍዒት ኣይኮነን።