መንግስቲ ኬንያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ ገንዘብ እንዳከፈለ መንእሰያት ኣብ ምፍርራሕ ተጸሚዱ ምንባሩ ተቓሊዑ።
ብመንግስቲ ኬንያ ክፍጸም ንዝጸንሐ ገበናት ዘቃለዐ፡ ተማጓቲ ሰባኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ኬንያ ዝተካየደ ህዝባዊ ተቓውሞታት፡ መንግስቲ ኬንያ ጎደና ዝወጹ መንእሰያት ንምፍርራህ፡ ንዝተፈላለዩ ጉጅለታት ገንዘብ እናኸፈለ የዋፍር ምንባሩን፡ ኣብ ህዝቢ እታ ሃገር ናይ ሓሶት ሓበሬታን ፕሮፖጋንዳን ዝዘሩኡ ጉጅለታት ውን ብገንዘብ ከዋፍር ከምዝጸንሐን”ዩ ዝገልጽ።
መንግስቲ ኬንያ፡ ኣብ እዋን ህዝባዊ ተቓውሞታት እታ ሃገር፡ ብመንገዲ ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ Ai ዝተፈጥሩን፡ ጾታዊ ምስልታት ዘንጸባርቁን ናይ ሓሶት ምስልታት፡ ኣብ ተቃውሞ ንዝተሰለፉ መንእሰያት ኣብ ምፍርራሕ ከምዝተጠቅመ ዝገለጸ ኣምነስቲ፡ መንግስቲ ኬንያ ድምጺ ህዝባዊ ተቓውሞታት ንምዕባስ፡ ኣነዋሪ ተግባራት ከምዝፈጸመ”ዩ ዝጠቅስ።
ገለ ገለ ሰልፈኛታት እታ ሃገር ንኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ተቓውሞ ብምስታፎም ጥራሕ ናይ ሞት ምፍርራሕ ከምዝበጽሖም፡ ኣብ ሂወት ደቆም ከይተረፈ ሓደጋ ክወርድ ከምዝኮነን ዘጠንቅቅ ምፍርራሕ ከምዝበጽሖም ዝገለጹ ኮይኖም፡ ብሰንኪ”ቲ ክወርዶም ዝጸንሐ ናይ ሂወት መጠንቀቕታ፡ ካብ መንበሪ ገዛ ክሳብ ቤትምህርቲ ደቆም ክቅይሩ ከምዝተገደዱ”ዮም ዝግለጹ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ወሲኹ፡ ኣባላት ናይቲ ንምፍርራሕ ሓሶት ንምንዛሕን ዝተፈጥረ ጉጅለ ዝኮኑ ዜጋታት፡ ንምፍርራሕ፡ መንግስታዊ ፕሮፖጋንዳ ንምዝርጋሕ፡ ከሙኡ ውን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብፍላይ ከኣ ኣብ X ንዝዝርግሑ ናይ ተቓውሞ ጽሑፋት ንምድምሳስ፡ መዓልታዊ ካብ 25 ክሳብ 50 ሽሕ ሽልንግ ኬንያ ይክፈሉ ከምዝነበሩ ኣቓሊዑ ዝርከብ።
እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተወለዐ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ንወሰኽ ግብሪ ስዒቡ ኣብ ኣገልግሎት ታክሲ ዝነበረ ታሪፍ ድሕሪ ምውሳኹ ዝተላዕለ ኮይኑ፡ ብሰንኪ”ቲ ተቓውሞ ኣስታት 100 ዜጋታት እታ ሃገር ሂወቶም ምሳኣኖም”ዩ ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዘረጋግጽ።