ኣብ ቁሸት ዓዲ ሃሎ ሓኪሉ ግጭት ሱዳን ኣብ ምስዋርን፡ ኩናት ኣብ ምብራዕን ዝዋሳእ ዘሎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ኣቦ ወምበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃን ናብ ዝቆጻጸሮ ግዚያዊ ርእሰ ከተማ ፖርት ሱዳን ምብጻሕ ኣካይዱ።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብቲ ብ29 ሕዳር ኣብ ፖርት ሱዳን ዘካየዶ ዑደት፡ ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ብምርኻብ፡ ኣብ ህሉው ምዕባለታት መስርሕ ግጭት ሱዳንን ከምኡ’ውን ንኽልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገዱሱ ዞባውን ዓለማውን ምዕባለታት ኣተኲሮም ከምዝዘተዩ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ርክብ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ግጭት ሱዳን ክሳብ ሰላማዊ መዕለቢ ዝረክብ፡ ንልኡላውነትን ሓድነትን ሱዳን ከምዝድግፍ ከረጋግጽ እንከሎ፡ ጀነራል ኣልቡርሃንን ካልኦት ሰበስልጣንን ሱዳን ብወገኖም ኣብዚ ከቢድ ፈተነ ንመትከላዊ ደገፍን ዝምድናን ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ከምዘመስግኑ ገሊጾም።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ፖርት ሱዳን ኣብ ዝኣተወሉ ኣቦ መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሰበስልጣን መንግስትን ከምዝተቀበልዎን፡ ኢሳያስ ድማ ኣብ ጎደናታት’ታ ከተማ ተዛዊሩ ህዝቢ ሓጎሱ ከምዝገለጸሉን ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ 34 ዓመታት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ቅዋምን ምርጫን ዝገዝእን ሰብኣዊ መሰል ዝግህስን፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጎረባብቲ ሃገራት ሓዊ ዘሳውርን ዘሎ ውልቀ መላኺ፡ ኣብ ጎደናታት ፖርት ሱዳን ክዛወርን ሃወርያ ሰላም ክመስልን ምፍታኑ ድማ ብዘይካ “ዝብኢ ኣብዘይፈልጠዎ ዓዲ ከይዱ ኣጎዛ እንጽፉለይ በለ” ካልእ ፋይዳ የብሉን።
ቀንዲ ዕላማ ዑደት ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ኣብ ፖርት ሱዳን ምስ ጀነራል ኣልቡርሃን ምርኻቡን፡ ነቲ ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ኣብ መስርሕ ሰላምን ኩናት ሱዳን ጠጠው ምባልን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሓንቲ ካብ መንጎኛታት ክትከውን ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝተነጽገን መስርሕ ክኸውን ከምዝኽእል ተንተንቲ ፖለቲካ ናይቲ ዞባ ገሊጾም።
ከምዝፍለጥ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ሓድሕድ ኩናት ሱዳን ቢልዮናት ዶላር ዝዋጉኡ ዘበናዊ ኣጽዋርን ገንዘብን ብምሕጋዝን ኣምሳያኡ ጸጋታት ሱዳን ብምዝማትን ዕሱባት ወጻእተኛታት ብገንዘብ ብምቁጻርን ንቀንዲ ተቃናቃኒ ጀነራል ኣልቡርሃን ጀነራል ዝኾነ፡ መራሒ ውሃቢ ቅልጡፍ ደገፍ ጀነራል ሕመቲ ትድግፍን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ጽልዋኣ ከተዕቢ ትሰርሕ ዘላን ሃገር ኢያ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ጉጅለ ህግደፍ፡ ግብጺ፡ ስዑድ ዓረብያን ዝርከብአን ሃገራት በቲ ሓደ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኢትዮጵያ፡ ጀነራል ሕመቲ ዘለዎ ጉጅለ ድማ በቲ ካልእ፡ ኣብ ሓድሕደን ዘሎ ዘይምቅዳው ናይ ውክልና ኲናትን ረብሓታተን ንምሕላውን ስልጣን ንምዕቃብ ኣብ ግጭት ሱዳን ሓዊ ዘሳውራ ዘለዋ ሃገራት ኢየን።
ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ንጀነራል ኣልቡርሃን ብምድጋፍ ሰልፊ ብልጽግና ብኣንጻሩ፡ ንኤርትራን ግብጽን ንምንጻል ምስ ጀነራል ሕመቲ ከምኡ’ውን ምስ ኢማራት ዘለዎ ዝምድና ብምትራር፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ሓድሕድ ኲናት ዘብእስ እምበር ሰላም ዘስፍን ተራ የብለንን።