ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክቱር ፍርሕን ጭካነን ዝውንን ጉጅለ ህግደፍ፡ ሕጂ ውን ኣብ ከባቢታት ዓረዛ፡ ቆሓይንን ላዕላይ ጋሽን፡ ካብ ዝሓለፈ ብዝከፈአ መልክዑ፡ መጠነ ሰፊሕ ግፋ ከካይድ ምቅናዩ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ዓዲ ሓቢሮም።
ጉጅለ ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ናብ መንእሰያት ዘነጻጸረ መጠነ ሰፊሕ ግፋ፡ ኪንዮ ፍርሕን ስጋኣት ናይ ተቓውሞ ስምዒታትን፡ ዝጥቀስ ብቁዕ ምኽንያት ከምዘይብሉ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ እቲ ዝከሰረ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረቶ ንእሽቶ ተስፋ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳቀሃመት ክትከይድ ይዕዘብ ብምህላዉ፡ ህዝቢ ንምርዓድን ንምርባሽን መጠነ ሰፊሕ ሃድን መንእሰያት ብምውዳብ፡ ህዝቢ ከንከላብት ይውዕል ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
ብሰንኪ ምረት ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ገዛእ ሃገርና ተባሪርና ብምባል፡ ኣብ ፈቐዶ ምዕራባዊ ዓለም ድንጋጽን ርህራሀን ረኺቦም ዝተዓቁቡ ደገፍቲ እቲ ጉጅለ ውን፡ ግዳይ ናይቲ በቲ ጉጅለ ዝግበር ዘሎ ሃድን ብምኳን፡ ፈቀዶ መዳጎኒ ማእከላት ይንከላበቱ ምህላዎም ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ኣብ ራዕድን ናይ ተቓውሞ ስክፍታን ወዲቁ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣቐዲሙ ክገብሮ ካብ ዝጸንሐ ናይ ህድን መስርሕ ብዝተፈልየ፡ ኣልማማ ናይ ምድጓን ተግባራት ይፍጽም ምህላዉ”ዮም ዘረጋግጹ።
እቶም ውግንናና ምስቲ ካብ ገዛእ ሃገርና ዘሳደደና ስርዓት”ዩ ብምባል፡ 2% ብምክፋልን ተጣዒስና ብምባልን ናብታ ሃገር ዛኣተው ደገፍቲ፡ ኣብ ፈቀዶ ጎደናታት ብዘይ ስክፍታ ሸናዕ ክብሉ ዝተዓዘበ ጉጅለ ህግደፍ ምጽራይ ክንገብር ኢና ብምባል ይዳጉኖም ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ገለ ገለ በቲ ኩነታት ዝሰንበዱ ደገፍቲ እቲ ጉጅለ ዕረፍቶም ከይወዱኡ ክወጹ ይግደዱ ምህላዉም”ዮም ወሲኾም ዝገልጹ።
ኣሕዋቶም ካብ ግፋ ክሃድሙን ፈቐዶ ሰናጭሮታት ክስወሩን እንዳተዓዘቡ፡ ብናይ እንታይ ገደሰኒ ስምዒታት ናብታ ሃገር ክመላለሱ ዝጸንሑ ደገፍቲ ምልኪ፡ ብመስርሕ ምጽራይ ወረቀቶም ክሳብ ዝጻረ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ክጸንሑ ይግበር ብምህላዉ፡ ኣብ ከቢድ ስንባደ ምእታዎም ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ብፍላይ እቶም ተዳጒኖም ናብ ቤትማእሰርቲ እቲ ጉጅለ ዛኣተዉ ደገፍቲ ምልኪ፡ በቶም ምልካዊ ምሕደራ ህግደፍ ዘማረሮም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከቢድ ውርደት ይበጽሖም ምህላዉ”ዮም ኣብ ሓበሬቶኦም ዝገልጹ።
ካብ መጅምር ክራማት ወርሒ ሰነ ኣትሒዞም ብርክት ዝበሉ ደገፍቲ ምልኪ፡ ናይ ዕረፍቲ ግዚኦም ንምስትምቃር ናብ ሃገር ካኣትዉ ምጽንሖም ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ኣብ ሃገር ዝጸንሖም ኩሉ ዓይነት ውድቀትን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ወሪዱ ዘሎ ሕሰምን ድሕሪ ምዕዛቦም፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነብር ህዝቢ ትሒም ትሒም ክብሉ ዝስምዑ ምኳኖም ብምጥቃስ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብግፋ ኣመካንዩ ክዳጉኖም ካብ ዝጅምር ንንየው ዕረፍቶም ከይዛዘሙ ካብቲ ሃገር ይወጹ ምህላዎም”ዮም ወሲኾም ዝገልጹ።