መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ክልል ትግራይ ዝልእኾ ዝነበረ ዓመታዊ ባጀት መንግስቲ ድው ከምዘበሎን፡ ንዝሓለፈ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ውን ዝኮነ ይኩን ናብ ትግራይ ዝተላእከ ባጀት ከምዘየለን፡ ሓላፊት ቤትጽሕፈት ኮምሽን ፕላን ትግራይ፡ ወይዘሮ ሃንሳ ተኽላይ ገሊጻ።
እዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሲዱ ዘሎ ባጀት ደው ናይ ምባል ስጉምቲ፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን ውድብ ህወሓትን ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምፍጣት፡ ናብ ግጭት ከየምርሕ ኣብ ዝስግኣሉ ዘሎ እዋን ዝተወስደ ብምኳኑ፡ ዝያዳ ስግኣት ከምዝፈጥር ዝጠቀሰ ሓበሬታ ቢቢሲ፡ እዅል ዓቀን ነዳዲ ውን ናብ ትግራይ ያኣቱ ብዘይምህላዉ፡ ውሳነ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ሓፈሻዊ ምንቅስቓስ እቲ ክልል ቅልውላው የስዕብ ምህላዉ”ዮም፡ ሰብ መዚ እቲ ክልል ይገልጹ።
ካብቲ ጠጠው ኢሉ ዘሎ ባጀት ሓደ፡መንግስቲ ክልል ብሓደራ ዘመሓድሮ ካፒታል ባጀት ተባሂሉ ዝጽዋዕ 844 ሚልዮን፡ ድሕሪ ኲናት ትግራይ በብወርሑ ናብ ካዝና እታ ክልል ካኣቱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ክኣቱ ከምዘይከኣለ ዝገለጸት ወይዘሮ ሃንሳ፡ ውሳነ መንግስቲ ፈደራል ኣብ መዓልታዊ ምንቅስቃሳት ህዝቢ ከቢድ ተጽዕኖ ፈጢሩ ምህላዉ”ውን”ያ ወሲኻ ትገልጽ።
ብኣቆጻጽራ እታ ሃገር ንዓመተ 2018 ዝተመደበ ናይ 18.8 ቢልዮን ዓመታዊ ባጀት፡ ን12 ኣዋርሕ ተኻፊሉ በብወርሒ ናብ ክልል ትግራይ ይለኣኽ ከምዝነበረ ዝጠቀሰት እታ በዓልቲ ስልጣን፡ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ደው ምባሉ ግን ከቢድ ተጽዕኖ ፈጢሩ ምህላዉ”ያ ትገልጽ።
ብወገን መንግስቲ ፈደራል፡ ንምቁራጽ ባጀት ክልል ትግራይ ኣመልኪቱ ብወግዒ ዝወጸ ሓበሬታ እኳ እንተዘየለ፡ ውድብ ህወሓት ንወሰኽ ደሞዝ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጾኦ መግለጺ ግን፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ጥሕሰት ሰባኣዊ መሰልን፡ ምፍራስ ውዕል ፕሮቶርያን”ዩ ክብል ከሲሱ።
ውድብ ህወሓት ኣብ መግለጺኡ፡ ካብ ወርሒ መስከርም ኣትሒዙ፡ ዝተተግበረ ሃገራዊ ወሰክ ደሞዝ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ ዘማእከለ ኣይኮነን ብምባል፡ ውሳነ መንግስቲ ፈደራል ጥሕሰት ሰባኣዊ መሰል ዜጋታትን፡ ምፍራስ ውዕል ፕሪቶርያን ምኳኑ”ዩ ዝኸስስ።
ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ ንዝሓለፈ 17 ኣዋርሕ ደሞዝ ከምዘይተከፍሎም ዝገለጸ መግለጺ ህወሓት፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ልዕሊ ገዛእ ህዝቡ ናይ ወሰክ ደሞዝ እገዳ ብምቅማጥ ሰራሕተኛታት ይቀጽዕ ምህላው ብምጥቃስ፡ ተግባራት መንግስቲ ፈደራል ዘይሕጋዊ ገበን ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ንውድብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሓደ ጌርካ ምጥማት፡ ግቡእ ኣይኮነን ዝበለ መግለጺ ህወሓት፡ መንግስቲ ፈደራል ብስም ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዘውርዶ ዘሎ ኣደራዕ ደው ከብል ዘተሓሳሰበ ኮይኑ፡ ዝምልከቶም ሰበስልጣናትን፡ ኣክበርቲ ውዕል ፕሪቶርያ ዝኮኑ ኣካላትን፡ መንግስቲ ፈደራል ንዝወስዶ ዘሎ ሓደገኛ ስጉምቲ ደው ንከብል ተጽዕኖ ክገብሩ ከምዝግባእ”ዩ ዘተሓሳስብ።