ውድብ ሕብራት ሃገራት፡ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኩሎም ኣካላት፡ ናብ ሰለማዊ ህዝብ ሱዳንን ሰራሕተኛታት ረድኤትን፡ ውሑስ ተበጻሕነት ገደብ ኣልቦ ሰብኣዊ ሓገዝ ከረጋግጹ፡ ህጹጽ ጻውዒት ኣቅሪቡ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጻውዒቱ፡ ብዕጡቃት ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ፡ ሰፊሕ ምዝንባል ዜጋታት ብምፍጣር፡ ተጸባዪ ረዲኢት ክበዝሕን፡ ሕጽረት ህጹጽ ሰባኣዊ ሓገዝ ክፍጠርን ምክንያት ይኸውን ምህላዉ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ በዚ ምክንያት ኩሎም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኣካላት ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝብን ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረዲኤትን ትኩረት ክገብር”ዩ ዘተሓሳስብ።
ወሃቢ ቃል ስቴፋን ዱጃሪክ ትማሊ ሰኑይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሲቪል ወገናት እታ ሃገረን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ንምክልኻል፡ ውሑስ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ረዲኤት ብህጹጽ ንምርግጋጽ፡ ኩሉ ዝከኣሎ ከበርክት ጻውዒትና ደጊምና ነቕርብ ዝበለ ኮይኑ፡ ኩነታት ሱዳን ካብ ዝሓለፈ እዋን ንላዕሊ ህጹጽ ቆላሕታ ኣብ ዝሓተሉ ኩነታት በጺሑ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
ጉጅለታት ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ጥራሕ መጽለሊ፡ ኣገደስቲ ሰባውዊ ቀረባት፡ ኣገልግሎት ጥዕናን ካልእን ብህጹጽ ዘድልዮም ተመዛበልቲ ዜጋታት ከምዝረከበ ዝሓበረ እቲ በዓልመዚ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዋላ”ኳ ናይ መግቢ ሓገዛትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፋትን ኣብ ምግባር እንተሃለወ፡ ናይ ገንዘብ ሕጽረት ተፈጢሩ ብምህላዉ ግን፡ ዝከፈአ ሰባኣዊ ሓደጋ ከይተፈጥረ፡ ኣብ ናይ ሂወት ኣድሕን ንጥፈታት ዝሳተፉ ለገስቲ ኣካላት፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ህጹጽ ኣቃልቦ ክገብሩ ከምዝግባእ”ዩ ዘጠንቅቕ።
ኣብ 2023 ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን፡ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ RSFን ብዝተወለዐ ግጭት ሓድሕድ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ሱዳን ከምዝሞቱን፡ ብውሕዱ ልዕሊ 12 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ውን፡ ካብ ቤትንብረቱ ከምዝተመዛበለን”ዩ ጸብጻብ ውድብ ሕብራት ሃገራት ዝገልጽ።