ጉጅለ ህግደፍ ፍጹም ዝረመሳ ኤርትራ፡ ሓንቲ ካብተን ብብልሽውና ዝፍለጣ ሃገራት ብምኳን፡ ኣብ መዝገብ ብልሽውና ሃገራት ዓለም መበል 7ተርታ ከምእትስራዕ፡ Global statistics ዝተሰምየ ትካል ኣብ ዘስፈሮ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ገሊጹ።
እቲ ብመንገዲ Global statistics ዝወጸ መጽናዕታዊ ሓበሬታ፡ ሃገራት ዓለም ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ብልሽውና ንዝጻወቶኦ ተራ መሰረት ጌሩ ዝወጸ ሓበሬታ ኮይኑ፡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ብብልሽውና ዝፍለጣ ሃገራት ዓለም ብምኳን ምስ ላዕለዎት 10 ሃገራት ከምእትስራዕ እዩ ዘረጋግጽ።
Global statistics ኣብ ሓበሬቱኡ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ካብ ሱዳን ዝተፈንጨለት ሃገረ ደቡብ ሱዳን፡ ብደረጃ ዓለም ዓቢ ቁጽሪ ብልሽውና ዝረኣየላ ሃገር ምኳና ብምጥቃስ ኣብ ቅድሚት ከምዝሰርዓ ዘፍለጠ ኮይኑ፡ ኣብ ትሕቲ ውልቀመላኺ ስርዓተ ምሕደራ ኢሰያስ እትርከብ ኤርትራ ብተመሳሳሊ፡ ብልሽውና ብዓቢ ቁጽሪ ዝስነደላ ሃገር ምኳና ከምዘረጋገጸ”ዩ ዝገልጽ።
በዚ መሰረት ሃገራት ሶማል፡ ቬኒዝወላ፡ ሶርያ፡ የመን፡ ሊብያ፡ ኢኳቶርያል ጊኒ፡ ንኳራጓ፡ ሱዳን ንደቡብ ሱዳን ተከቲለን ካብ ቀዳማይ ክሳብ 10 ተርታ ዝሓዛ ሃገራት ምኳነን መጽናዕታዊ ጸብጻብ Global statistics ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ ትሕቲ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ተሓይራ እትርከብ ኤርትራ ብተመሳሳሊ፡ ኣብዚ ናይ ብልሽውና መዝገብ ኣብ 7ይ ተርታ ከምእትስራዕ”ዩ ዝገልጽ።
ብዘይካ”ዚ ናይ ብልሽውና መዝገብ፡ ብስእነት ናጽነት ንዝሳቀያ ሃገራት ኣመልኪቱ ውን ተመሳሳሊ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ዘቅረበ Global statistics፡ ኣብ ትሕቲ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ወዲቓ እትርከብ ኤርትራ፡ ኣብ መዳይ ስእነት ናጽነት ውን ምስ ቀዳሞት 2 ሃገራት ዓለም ከምእትራዕ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
0.012 ነጥቢ ዝረኸበት ሰሜን ኮርያ ተፈጥሮኣዊ ናጽነት ዜጋታት ብምግሃስ ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ሃገር ምኳና ዝጠቀሰ Global statistics፡ ውልቀመላኪ ኢሰያስ ዝመርሓ ኤርትራ 0.021 ነጥቢ ብምርካብ፡ ኣብ ዓለም ምሉእ ካብ ዘለዋ ሃገራት ተፈጥሮኣዊ መሰል ዜጋታት እትግህስ 2ይቲ ሃገር ምኳና”ዩ ዝገልጽ።
ብመሰረት እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ፡ ኒኳራጓ፡ ቤላሩስ፡ ሌኦስ፡ ቱርከምኒስታን፡ ቻይና፡ ምያንማር፡ ቀጠር፡ ሕብራት ኢማራት ዓረብ፡ ሶርያ፡ ሩስያ፡ ሱዕዲ ዓረብ፡ ኣፍጋኒስታ ከሙኡ ከኣ ኲባ፡ ንሰሜን ኮርያን ኤርትራን ብቀደም ተከተል ስዒበን፡ መሰል ናጽነት ዜጋታት ኣብ ምግሃስ ዝርከባ 15 ሃገራት ዓለም ምኳነንGlobal statistics ዝገለጸ ኮይኑ፡ ብመሪር ህዝባዊ ቃልሲ ንዝተረኽበት ኤርትራ፡ ዓመት መጸ ኣብ ናይ ገበናትን ብልሽውናን መዝገብ እትቅመጥ ዝፈረዳ ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ዝሓለፉ መግዛእታውያን ስርዓታት ብዘይፍለ መልክዑ ጸረ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ጉጅለ ምኳኑ ክትርዳእ ዝገብር”ዩ።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ብተመሳሳሊ፡ ዓለምለካዊ ማዕከን ገንዘብ IMF ኣብ ዘውጾኦ ዓለማዊ መግለጺ፡ ፋይናንሳዊ ንጥፈታት ኤርትራ ካብ ዝኮነ ይኹን ሓበሬታ ዝረሓቀ ብምኳኑ፡ ዝኮነ ይኩን ዳታ ክረክብ ከምዘይከኣለን ደረጃ ኤርትራ ብተርታ ከቀምጦ ከምዝተጸገመን ብምጥቃስ፡ ንኤርትራ ካብ ዓለምለካዊ መዝገብ ከምዝዘለላ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኤርትራ ብደረጃ ዓለም ዝኮነ ይኩን ሓበሬታ ዘይትረከባል ዝተገለለት ሃገር ክብል ጠቂስዋ ምንባሩ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት ንምሽፋን ንጹር ሓበሬታ ክህልዎ ከምዘይመርጽ ንዝገልጽ ሓበሬታ ዘራጉድ”ዩ።
እቲ ብ14 ጥቅምቲ ዝወጸ ናይ ፍርቂ ዓመት ዓለምለካዊ ሪፖርት IMF፡ ኣብ 2025 ናይ 3.2%፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመተ 2026 ከኣ ናይ 3.1% ዓለምለካዊ ዕብየት ቁጠባ ክምዝገብ ከምዝኮነ ዝጠቅስ ኮይኑ፡ ኣብቲ ንኹለን ሃገራት ዓለም ብተርታ ዝቀመጠ መዝገብ ቁጠባ ካብ ኤርትራ ዝጥቀስ ሓበሬታ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ፡ ንኤርትራ ዝኾነ ይኹን ተርታ ከይሃበ ከምዝዘለላ”ዩ ዝገልጽ።