መንግስቲ ሽወደን ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ ወዲቓ ንእትርከብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ዓመታዊ ክህባ ዝጸንሐ ናይ ገንዘብ ሓገዛት ደው ከምዘበሎ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ሽወደን ኣብ መግለጺኡ፡ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ዓመታዊ ናይ 800ሽሕ ክሮነር ገንዘባዊ ደገፋት፡ ካብ መንግስቲ ሽወደን ኣብ ምርካብ ምጽንሓ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እታ ቤተክርስትያን ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምምሕዳራዊ ቁጽጽር ስርዓት ህግደፍ ወዲቓ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታታ ሰባኣዊ ግህሰት ኣብ ምፍጻምን፡ ኪንዮ ሃይማኖታዊ ተልእኾ ፖለቲካዊ ዕላማ ሒዛ ትኸይድ ብምህላዋን፡ ክገብሮ ዝጸንሐ ገንዘባዊ ደገፋት ደው ከብል ምግዳዱ”ዩ ዝገልጽ።
መንግስቲ ሽወደን ወሲኹ፡ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ኣብ እዋን ማእሰርቲ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ከይተረፈ፡ ቅንዕናን ሓቅን ጎስያ ኣብ ጎኒ”ቲ ነታ ቤተክርስትያንን ሃይማኖታዊ ተልእኮኣን ዝደፈረ ጉጅለ ህግደፍ ደው ምባላ፡ መሳርሒ ምልኪ ቤተክርስትያን ምኳና ዘግሃደ ክስተት ምንባሩ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመንትን ተመላለስትን እታ ቤት እምነት ንንውሕ ዝበለ ግዚያት ክገብሮ ድሕሪ ዝጸንሐ ምርመራ፡ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ መሳርሒ ምልኪ”ያ ኣብ ዝብል መደምደምታ ምብጽሑ”ዩ ዝገልጽ።
ጉጅለ ህግደፍ ብመንገዲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቢሉ፡ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ካብ ምእመና ክቅበል ምጽንሑ ዘረጋገጸ መንግስቲ ሽወደን፡ ብሃይማኖታዊ ተልእኾ ዝቆመት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ንኩሉ ህዝባዊ ቅሬታን ሃይማኖታዊ ተልእኾን ጎስያ ተደናጋጺት ጉጅለ ህግደፍ ክትከውን ምምራጻ፡ ዝግበረላ ዝነበረ ገንዘባዊ ሓገዛት ደው ክብል ዓቢ ምኽንያት ምኳኑ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ርሑቅ ሃገራት ምዕራብ ብዝደኮነን ኣብያተ ቤተክርስትያናት ኣቢሉ፡ ኣብ ልዕሊ ዶብ ሰጊሮም ዝተሰዱ ዜጋታት ኤርትራ፡ ዓመጽን ሰባኣዊ ግህሰት፡ ኣብ ምፍጻም ምጽንሑ ብምሉእ ድምጺ ዘረጋገጸ መንግስቲ ሽወደን፡ ንኹሉ ጭብጥታት ኣኪቡ ክገብሮ ድሕሪ ዝጸንሐ ምርመራ፡ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ መሳርሒ ጉጅለ ህግደፍ ምኳና ከምዘረጋገጸ”ዩ ዝገልጽ።