ንነድርን ቁጥዐን ህዝቢ ኤርትራ ምጽዋሩ ሲኢኑ፡ ኣብ ከቢድ ናይ ራዕዲ ሃዋሁ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ቅድሚ 18 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘእተዎምን፡ ኣብ ኮንተይነራትን ሸላታት ማይስርዋ ከሳቅዮም ዝጸንሐ ዜጋታት፡ ብዘይ ፍርዳዊ መስርሕን ገበናዊ መዝገብን ንገዞኦም ከምዘፋነዎም፡ ካብ ኣስመራ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
እቶም ምስ ጉዳይ ስሞኦን ገብረድንግል ብዝተሓሓዝ ጉዳያት ኣብ ሸላታት ጉጅለ ህግደፍ ን18 ዓመታት ተሓይሮም ዝጸንሑ ዜጋታት፡ ኣብ ፖሊስ ኤርትራ ላዕለዋይ ሓላፍነት ዝነበሮም ኣባላት ፖሊስን ነጋዶን ምንባሮም ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ምምሕዳር ፋይናንስን ፖሊስ ኤርትራ ነበር ኮሎኔል ሰሎሙን ብርሃነ፡ ሓላፊ ምክልኻል ገበን ነበር ኮሎኔል ኣስመሮም ገብረወልዲ፡ ሓላፊ ገበን መርመራ ነበር ኮሎኔል ጎይትኦም በኺት፡ ነጋዳይን ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታን ዘርእጋብር ገብረህይወት፡ ኢንጅነር ዳዊት ሃብተማርያም ምስ ሓው ጆሜትራ ማቲወስ ሃብተማርያም ከም ዝርከብዎምን 13 ዜጋታት ምኳኖምን”ዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድእ።
ን18 ዓመታት ኣብ ሸላን ኮንተይነራትን ዝዳጎኖምጉጅለ ህግደፍ፡ ብዘይ ዝኮነ ክስን ሕጋዊ ፍርዳዊ መስርሕን ካብ እስርቤት ክወጹ ምግባሩ፡ ነቶም ኣብ ኮንቴይነራት ዝጸንሑ እሱራትን ንኣባላት ስድራቤቶምን ዘሐጉስ ፍታሕ እኳ እንተኮነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሕቁኡ ዝሃቦ ጉጅለ ህግደፍ ግን ኣብ ከቢድ ጸቂጢ ወዲቁ፡ ኮን ዶ ኮን ቀልቢ ህዝቢ እንተመለስኩ ኢሉ ዝገብሮ ዘሎ ከንቱ ሃልኪ ምኳኑ”ዮም፡ ምንጭታትና ወሲኾም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ብስም ጽምዶ ፈጢርዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ልፍንቲ ከይፈርሶ ብምባል፡ ልዕሊ 3 ዓመት ኣሲሩ ከሳቅዮም ዝጸንሐ ልዕሊ 100 ዝቁጽሮም ተጋሩ፡ ካብ ማእሰርቲ ነጻ ከምዝበሎምን፡ ብሰላም ናብ ዓዶም ከምዘፋነዎምን ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተፈጢሩ ዘሎ ነድሪ ህዝቢ ቀሊል ከምዘይኮነ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ መዋጾኦ ሲኢኑ ኣብ ከቢድ ናይ ራዕዲ ኩነታት ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓደ መዓልቲ ከም እሳተጎመራ ክነቱግ ምኳኑ ኣጸቢቁ ስለዝፈልጥ፡ ለውጢ ንምፍጣር ተበጊሱ ምህላዉ ከእምን ይቃለስ ምህላዉ”ዮም ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝጠፉኡ ኤርትራውያን መንእሰያት መርድኦም ከይተነግረ፡ ምስ ፖለቲካውያን ኣካላት ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ሕግብግብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ኣድምዩ ምህላዉን፡ ስኒ ዝሕርቅም ዜጋ ይበዝሕ ምህላዉን ዝገለጹ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ፡ ጉጅለ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ እንተተላዒሉ ክወርዶ ዝክእል ኣደራዕ ስለዝፈልጥ እሱራት ፈቲሕና፡ ህንጻ ክንጅምር ኢና፡ ወፍሪ ክጅምር”ዩ፡ ስደተኛታት ዓዶም ካኣትዉ”ዮም፡ ወተሃደራት ገዛ ክምለሱ”ዮም ወዘተ ዝብሉ ወረታት እንዳዘርግሐ ህዝቢ ከታልል ይቃለስ ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
ማእሰርቲ”ዞም ንልዕሊ 18 ዓመታት ኣብ ሸላታት ማይ ስርዋ ዝጸንሑ 13 ዜጋታት፡ ምስቲ ኣብ ጥቅምቲ 2007 ዝተፈጥረ ዕግርግር ክልተ ነጋዶ ፍቅረን ስሞኦን ወዲ ቀሽን ዝተሓሓዝ ምኳኑ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ነጋዳይ ፍቅረ ድሕሪ ምእሳሩ ብወገን”ቲ ኣብ ምጽራይ ዝነበረ ኣባል ጸጥታ ስሞኦን ገብረድንግል፡ ምስ ጉዳይ ፍቅረ ብምትሕሓዝ ክእሰሩ ናይ ዝተወሰነሎም ኣባላት ፖሊስ ዝርዝር ልሒኩ ብምውጹኡን፡ ኣብ ልዕሊ ስሞኦን ገብረድንግል ናይ ጥይት ማህረምት ድሕሪ ምውራዱን ዝተኣስሩ ምኳኖም ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ን18 ዓመታት ኣብ ሸላታት ድሕሪ ምጽናሕ ነጻ ተባሂሎም ምህላዎም”ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።