ትማሊ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣንጻር ግዚያዊ ምምሕዳር እታ ክልል ዝተበገሰ ወተሃደራዊ ምንቅስቃሳት ከምዝተካየደን፡ ብሰንኪ እቲ ብወተሃደራት ዝተላዕለ ኣድማ ውን፡ ኣብታ ኣብ ከቢድ ወጥሪ እትርከብ ከተማ መቐለ ምንጩ ዘይተፈልጠ ሓያል ነትጒ ከምዝተሰምዐን ተገሊጹ።
እቲ ትማሊ ንጉሆ ብኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ትግራይ ኣርሚ 31 ዝተበገሰ ተቓውሞ፡ ደሞዝን ካልእ ደገፍን ደንጉዩና ብዝብል ቁጥዐ ዝተላዕለ ምንባሩ ዝጠቀሰ ቢቢሲ፡ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ዝኮኑ ዕጡቃት ኣርሚ 31 ምስ ምሉእ ወተሃደራዊ ዕጥቆም፡ ንህንጻ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከቢቦሞ ከምዝወዓሉን፡ ሰማዒ ኣካል ክመጾም ከምዝሓተቱን”ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
እቶም ዕጡቓት ከላሽን”ኮቭን ዶሽካን ዝርከቦ፡ ምሉእ ወተሃደራዊ ዕጥቂ ሒዞም ምንባሮምን፡ ካብ ርሑቕ ከባቢታት ተበጊሶም ናብታ ከተማ ምብጽሖምን ዝገለጸ ቢቢሲ፡ ብሰንኪ እቲ ዝተፈጥረ ኩነታት፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘምርሕ መንገዲ ተዓጽዩ ከምዘርፈደ”ዩ ኣብ ሓበሬቱኡ ዝገልጽ።
ናይ ቀረባ ኣዘዝቲ ኣርሚ 31፡ ተቓውሞኦም ከስምዑ ንዝወዓሉ ዕጡቃት ከዘራርብዎም’ኳ እንተፈተኑ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ይምጹኡና ብምባል ከምዝሓንገዱ ዝገለጸ ሓበሬታ ቢቢሲ፡ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ትግራይ ጀነራል ፍስሃ ኪዳኑ: ከምኡ’ውን ምክትል ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋን፡ ምስ ካልኦት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ድሕሪ ዝተገብረ ምርድዳእ ግን፡ እቲ ተዓጽዩ ዘርፈደ መንገዲ ኣብ ሰዓታት ፍርቂ መዓልቲ ከምዝተከፍተ”ዩ ወሲኩልኹ ዝገልጽ።
ብሰንኪ’ቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈጥረ ወጥሪ፡ ፖሊስ እታ ከተማ ዝርከብዎም ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ፡ ንትካላት ተለቪዥን ትግራይን ድምጺ ወያነ ትግራይን ንምክልኻል ምውዓሎም ወሲኹ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኣድማ ከካይዱ ዘርፈዱ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ: ንሰራሕተኛታት ድምጺ ወያነ ትግራይ፡ ካብቲ ትካል ክወጹ ብምእዛዞም ፈነወ ድምጺ ወያነ ትግራይ ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ተቛሪጹ እኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ”ቲ ዝተገብረ ምርድዳእ ግን ኣብ ሰዓታት ፍርቂ መዓልቲ ዳግም ስራሕ ከምዝጀመረ”ዩ፡ ካብ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ዝተረኸበ ሓበሬታ ዘረድእ::
ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት፡ ኣብ ሓወልቲ መቐለ ከቢድ ድምጺ ነታጒ ከምዝተሰምዐ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ጠንቂ”ቲ ኣብ ውሽጢ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ዝተሰምዐ ነትጒ እንታይ ምዃኑ ብንጹር እኳ እንተዘይተገልጸ፡ ብሰንኪ እቲ ምፍንጃር ኣብ ሂወት ሰብ ዝበጽሐ ሓደጋ ዘይምህላዉ”ዩ ቢቢሲ ወሲኹ ዝረጋግጽ።
ድሕሪ”ቲ ኩነታት፡ ነበርቲ ከተማ መቐለ ልሙድ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ይፍጽሙ እኳ እንተሃለዉ፡ ኣብቲ ኣድማ ዝተፈጸመሉ ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት ግን፡ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቆም ምህላዎም”ዩ ዝንገር።