መቀጸልታ ናይቲ እንዳተደጋገመ ዝመጽእ ዘሎ መተሃደራዊ ሰውራ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሃገረ ቤኒን ውን ብተመሳሳሊ፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ ክስተታት ዝመሳሰል ወተሃደራዊ ዕልዋ ምፍጻሙ ተገሊጹ።
ብመሰረት እቲ ዝወጸ ሓበሬታ፡ ወተሃደራት ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ቤኒን፡ ንፕረዚደንት እታ ሃገር ፓትሪስ ታሎን ካብ ስልጣኑ ብምእላይ፡ ላዕለዋይ ስልጣን መንግስቲ ከም ዝተቆጻጸሩ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ወተሃደራዊ ክንፊ እታ ሃገር ድሕሪ”ቲ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ቤንን ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ኣብ ሃገሩ ስርዓተ ለውጢ ከምዝተካየደን ወተሃደራዊ ክንፊ እታ ሃገር ስልጣን መንዚዑ ምህላዉን”ዩ፡ ብመንገዲ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቤኒን ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ጥቂሱ ዝርከብ።
እቲ ካብ ኤምባሲ ፈረንሳ ኣብ ቤኒን ዝተላእከ መልእኽቲ፡ ኣብ ከተማ ኮቶኑ ኣብ ጥቓ መንበሪ ገዛ ፕረዚደንት ፓትሪስ ታሎን፡ ሓያለ ድምጺ ቶክሲ ከም ዝተሰምዐ ዝሓበረ ኮይኑ፡ እቶም ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ”ቲ መራሒ ናይ ዕልዋ ስጉምቲ ድሕሪ ምውሳዶም፡ ቅዋም እታ ሃገር ብግዚያውነት ደው ክብልን፡ መሬታዊ ዶባት ከምኡ’ውን ክሊ ኣየር እታ ሃገር ዕጹው ክኸውንን ወሳነ ኣሕሊፎም ምህላዉ”ዩ ዝጠቅስ።
ብመሰረት መግለጺ ሰራዊት ቤኒን፡ ሌተናል ኮሎኔል ትግሪ ፓስካል፡ መራሒ ወተሃደራዊ መሰጋገሪ ባይቶ እታ ሃገር ብምኳን፡ ንመሰጋገሪ መድረክ እታ ሃገር ክመርሕ ምኳኑ ዝተፈልጠ ኮይኑ፡ ንፕረዚደንት ታሎንን፡ ዘይቅርዑይ ምሕደርኡን ብምቅዋም ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰዱን፡ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ጨቢጦም ምህላዎም”ዩ፡ ዝገልጹ ።
ወዲ 67 ዓመት ፕረዚደንት ታሎን፡ ዝመጽእ ዓመት ካልኣይ ዕድመ ስልጣኑ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ 2026 ካብ ስልጣኑ ክወርድን፡ ፕረዚደንታዊ ምርጫ እታ ሃገር ክካየድን፡ ኣብ ሓሳብ ምንባሩ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ወተሃደራዊ ክንፊ እታ ሃገር ግን፡ ቅርዑይ ኣይኮነን ንዝበሎ ስርዓተ ምሕደሩኡ ወላ ውን ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ ክጽመሞ ብዘይምካኣሉ፡ ነቲ ናይ ዕልዋ ስጉምቲ ምውሳዱ”ዩ ዝንገር።
“ንጉስ ጡጥ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ፕረዚደንት ቤኒን ፓትሪስ ታሎን፡ ኣብ 2016 ኣብ ዝተካየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንመጀመርያ ግዜ ናብ ስልጣን ዝመጸ ኰይኑ፡ ወርሒ ሚያዝያ ንሳልሳይ ግዜ ክወዳደር ከም ዘይደሊ ቃል ኣትዩ እኳ እንተነበረ፡ ብወተሃደራት እታ ሃገር ግን ሃንደበት መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖን፡ ስልጣኑ ብጎነጽ ተሓዲጉ ምህላዉ”ዩ፡ እቲ ሓበሬታ ወሲኩ ዘረድእ።
ነዚ ሓበሬታ”ዚ ዝሃበ ኤምባሲ ፈረንሳ ኣብ ቤኒን፡ ክሳብ ዝኮነ ዝኸውን ዜጋታቱ ንገዛእ ድሕነቶም ክጥንቀቑን፡ ካብ ገዛ ከይወጽኡን ዘተሓሳሰበ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር በቲ ሰራዊት እታ ሃገር ዝከፈቶ መጥቃዕቲ ዝወረደ ዕንወት ኣሎ ዲዩ የለን ግን ዛጊት ንጹር ኣይኮነን።
ብዘይካ ቤሚን ኣብ ማዳጋስካርን ጊኒ ቢሳውን ውን ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብሰበ ሰልጣም ሰራዊት ዝተላዕለ ዕልዋ መንግስቲ ከም ዝተፈጸመ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቡርኪናፋሶ፡ ጊኒ፡ ማሊን ኒጀርን ተመሳሳሊ ዕልዋ መንግስቲ ብምፍጻሙ፡ ኣፍሪቃ ብሰላሕታ ምስቲ ኣብ 2011 ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝተፈጸመ ዝመስል ሰውራ ይለዓዓል ምህላው”ዩ ዝእመን።
ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ግብ ዝበለ ጸልማት ክነብሩ ፈሪድዎም ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ዕልዋታት፡ ዝኮነ ይኩን ሸፈነ ክህቦ ዘይረአ ኮይኑ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ዕድመ ስልጣኑ ዝረኣዮ ዝኸበደ ተቓውሞ ካብ ማእከል ኣዘዝቲ ወተሃደራዊ ኤርትራ ዝተፈጥረ ብምንባሩን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር እንኮ ዝጥቀስ ዓቅሚ ክህልዎ ዝክእል ውን ሰራዊት ብምኳኑን፡ ንወተሃደራዊ ፈተነ ዕልዋ ከቆናጽብን፡ ናይ ተለኣኽነት ኣስማት ከጠምቅን”ዩ ዝፍትን።
ኣብ ኣፍሪቃ ብወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝረአ ዘሎ ዕልዋ መንግስቲ፡ ንብዙሓት ውልቀመለኽቲ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ዘሰንብዶም ፍጻመታት ኮይኑ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ብዝወሓደ ዋጋ ስልጣን ሃገር ንምምንዛዕ ዝከድዎ ዘለዉ ርሕቀት፡ ነቲ ሂወቱ ዕድሚኡን መጻኢኡን ተጨውዩ ዝነብር ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ጽቡቅ መራኣይ ክኸውን ዝግባእ”ዩ።