ኣመሪካ ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን፡ ሶማልን “ሓድሽ ግጭታት ንከይልዓል ኣብ ምክልኻል” ብትኹረት ክትሰርሕን፡ ንሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቆላሕታ ክትህቦን ምውሳና፡ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ወግዓዊ ዝገበሮ ሓድሽ ፖሊሲ ሃገራዊ ድሕነት ዝተሰምየ ሰነድ ኣረጋጊጹ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝወጸ ሓድሽ ስትራተጂካዊ ፖሊሲ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝውላዕ ዝኮነ ይኹን ግጭት፡ ንረብሓ ኣመሪካ ንቀጥታ ዝትንክፍን ዘየርብሕን ብምኳኑ፡ ኣመሪካ ኣብ ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብትኩረት ክትዋሳእ ዝገብራ ምኳኑ ዘረድእ ኮይኑ፡ ቃል ብቃሉ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ናብ ብረት ምስሕሓብ ዝኸይድ ጎንጺ፡ ኣመሪካ ፍጹም ክትቅበሎ ከምዘይኮነትን፡ ከምዘይትድግፎን”ዩ ዘነጽር።
እቲ ትማሊ ዓርቢ ዝተዘርግሐ ሓድሽ ስትራተጂካዊ ፖሊሲ ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ዘለዋ መርገጺ ክትቅይር ከምዘለዋ ዝሕብር ኮይኑ፡ ኣመሪካ ኪንዮ”ቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ክትገብሮ ዝጸንሐት ሓገዛት፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ገዛእ ርእሰን ዝኽእላሉ ኩነተ ሰላም ምርግጋጽ ቀዳምነታት ከምዝወሃቦ”ዩ ዘረድእ።
ኣፍሪቃውያን ሃገራት፡ ካብ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ተናጊፈን፡ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታተንን ተጠቂመን፡ ሕቡእ ሃብቲ ኣፍሪቃ ዝጥቀመሉ ናይ ወፍርን ልምዓትን ዝምድናታት ናብምፍጣር ክትሰጋገር ከምዘለወን ዛኣምን ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ፡ ነዚ ክዉን ንምግባር ሰላም ዞባ ቀርሚ ኣፍሪቃ ምውሓስ ከም ዓቢ ስትራተጂ ከምዝጥምቶ ዝገለጸ እቲ ሓድስ ፖሊሲ፡ ኣፍሪቃ ምሉእ ብምሉእ ናብ ልምዓት ንክትወፍር ምድጋፍ ዝዓበየ ኣማራጺ ምኳኑ”ዩ ዘቐምጥ።
ኣብ ከም ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ሱዳንን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ምፍታሕ፡ ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ርክብ ንምቕያር ከም ሰናይ ዕድል ክትጥቀመሎም ከም ኣማራጺ ዝተቀመጠ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን “ሓድሽ ግጭታት” ከይውላዕ ምክልኻል ውን፡ ብሓድሽ ስትራተጂካዊ ፖሊሲ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ቀዳምነት ዝወሃቦ ምኳኑ”ዩ ዝንገር።
ኣመሪካ ካብ ረዲኤትን ሓገዝን ወጽያ፡ ንግድን ወፍርን መሰረት ናብ ዝገበረ ዝምድና ምስ ኣፍሪቃ ክትሰጋገር ከምዘለዋ ዝገልጽ እቲ ሰነድ፡ ዕዳገአን ንኣመሪካ ክፉት ንዝገበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ቀዳምነታት ሂባ ክትሰርሕ ምምዳባ ውን”ዩ ወስኹ ዝገልጽ።