ኣብ መንጎ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ሩዋንዳን፡ ታሪኻዊ ስምምዕ ከምዝተፈረመ ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጡ።
መራሕቲ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ሩዋንዳን፡ ብሞንጎኝነት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋዕላ ዋሽንግተን ክዝትዩ ምጽንሖም ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ክልቲኤን ሃገራት፡ ኣብቲ ዞባ ንነዊሕ እዋን ተወሊዑ ዝጸንሐ ግጭት ንምቁራጽ ስምምዕ ሰላም ምፍራሞም”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተበጽሐ ወተሃደራዊ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦኦ፡ ንግጭት ክልቲኤን ሃገራት ደው ከብሎ ከምዘይከኣለ ተንተንቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ ኣብ ምግላጽ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከም ውጽኢቱ ኣብቲ ብሃብታም ጸጋታቱ ዝፍለጥ ምብራቓዊ ኣውራጃ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ብሩዋንዳ ይድገፉ”ዮም ዝበሃሉ ዕጡቃት ሓይልታትን፡ ዳግማይ ግጭት ተወሊዑ ምጽንሑ”ዩ ዝንገር።
ሰራዊት ዲሞክራሳዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ እቲ ብርዋንዳ ይድገፍ”ዩ ዝተባህለ ዕጡቅ ሓይሊ፡ መስርሕ ሰላም ንምዕንቃፍ ይፍትን ኣሎ ክብል ከሲሱ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ዕጡቅ ጉጅለ M-23 ምስ ሰራዊት ዲሞክራሳዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ንዝተገብረ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ብምጥሓስ፡ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣብ ምፍጻም ምህላዉ ምግላጹ ኣይርሳዕን።
ዕጡቅ ሓይሊ M-23 ኣብ መጀመርታ ግዚያት ናይዚ ዓመት፡ በሽሓት ዝቁጸሩ ሰለማውያን ሰባት ምቅታሉን፡ ንሰፊሕ ምብራቓዊ ክፋል ዲሞክራሳዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ተቖጻጺሩ ምጽንሑን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ከም ውጺኢቱ ፕረዚደንት ዲሞክራሳዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ፌሊክስ ትሺሰከዲን፡ ምስ ሩዋንዳዊ መዘንኡ ፖል ካጋሜን ኣብ ናይ ቃላት ኲናትን ክስን ተጸሚዱ ምንጽሑ”ዩ እቲ ጸብጻብ ዘመልክት።
ከም ውጺኢቱ ኣብቲ ብሓሙስ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምፍርራም ዋዕላ ዋሽንግቶን፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ሰላምታ ምልውዋጥ ይኹን ምጭብባጥ ኢድ ከምዘይተራእየ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ዝጸንሐ ወጥሪ ንምህዳእ ግን ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ምሉእ ስምምዕ በጺሐን ምህላወን”ዩ ዝንገር።
ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ክልቲኦም መራሕቲ ዓቢ እምነት ኣለኒ፡ ክብል ዝገለጸ ኮይኑ፡ ብሞንጎኝነት ኣመሪካ ዝተበጽሐ ታሪኻዊ ስምምዕ ዓቢ ዓወት ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።