ብጉዳይ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ጽቡቅ ዝምድና ፈጢራ እትርከብ ግብጺ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ብወግዕን ብዘይተገልጸ ስቱር ምኽንያትን፡ ብውሕዱ ልዕሊ 150 ዝዀኑ ኣብታ ሃገር ክነብሩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ከምዝሰጎገት” ኣብ ግብጺ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ከምዚ ዝበለ ተርእዮ ነዊሕ ዝጸንሐ ምዃኑ ዝገልጹ እቶም ነበርቲ፡ ኣብ ካይሮ ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝነብሩሉ ከባቢታት ድሕሪ ዝተገብረ ግፋ፡ምስተኣስሩ፡ ፈለማ ኣብ ጊስም ሌዋ ዝብሃል ቤትማእሰርቲ፡ ካብኡ ናብ ጊስም ቡላእ፡ ጸኒሖም ከኣ ናብ ‘ዱጊ’ ዝብሃል ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዘሰጋገርዎም”ዩ፡ እቲ ዓድል ዝተባህለ ንድሕነቱ ስሙ ዝተቐየረ ኤርትራዊ ንቢቢሲ ዝገልጽ።
እቲ ዘሰክፍ ዝገብሮ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ግፋታት ናብ ደቀንስትዮ ዘነጻጸረ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ወሃብቲ ሓበሬታ ካብ ካይሮ ይገልጹ ዘለው ኮይኖም፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ደቀንስትዮ፡ ወረቐት ይሃልወን ኣይሃልወን ብዘየገድስ፡ ገፊፎም ይኣስርወን ምህላዎምን ዝገለጸ ዓድል ፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ግፋ እንድሕር ተታሒዝካ፡ ናብ ኤርትራ ምጥራዝ ጥራይ’ዩ ዕጫኻ። ካልእ ዋላሓንቲ የለን ክብል”ዩ ዝገልጽ።
ዓድል ንዝወርዶም ዘሎ ጸገማት ከረድእ እንከሎ፡ ሓንቲ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ኣብ ስራሕ እንከላ ብምግፋፋ፡ ውላዳ ምስ ገለ ፈተውቲ ክጽጋዕ ተገዲዱ ምህላዉ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ይዅን እምበር ብዘይውላዳ ናብ ኤርትራ ከይጥርዝዋ ብምስጋእ ወዳ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ወሲዶም ክህብዋ’ኳ እንተፈተኑ ስለዝኸልከልዋ ክሳብ ሕጂ ካብ ውላዳ ተፈልያ ክትሕየር ከምዝተገደደት”ዩ ዝገልጽ።
ተገዲዳ ናብ ኤርትራ ንኽትጥረዝ ከይትውስን፡ ውላዳ ገዲፋ ክትከይድ ከቢድ ኮይኑ፡ ወጺኣ ውላዳ ከይትኣሊ ውን ዕድል የለን ዝበለ ዓድል ፡ ምስ ውላዳ ንከይትእሰር ዘቅረበቶ ሕቶ እውን ስለዘይተቀበልዎ፡ ዘላቶ ኵነታት ከቢድን ኣጨናቕን ኮይኑ ምህላዉ”ዩ ዘረድእ።
ምስ ውልቀመላኺ ኢሰያስን ጉጅሉኡ ህግደፍን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ተሰማሚዑ ዝርከብ መንግስቲ ግብጺ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት እዚ ዘይበሃል ግፍዕን በደላትን ኣብ ምፍጻም ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ 3 ዓመታት፡ ውልቀመላኺ ምስ መንግስቲ ብልጽግና ተባቲኹ ናብ ግብጺ ድሕሪ ምምላሱ፡ በደል ኤርትራውያን ኣብ ግብጺ ብዕላማ ይዳይድ ምህላዉ”ዩ ዝእመን።
ኣብ ካይሮ ኤምባሲ ከፊቱ ዝሰርሕ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቶም ኣብ እስርቤት ዝሳቀዩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከድሕኖም ይኹን ዋሕስ ክኾኖም ፍጹም ከምዘይዋሳእ ዝገልጹ እቶም ነበርቲ፡ መንግስቲ ግብጺ ነቶም በብግዚኡ ዝዳጉኖም ዘሎ ንጹሃን ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ንኽመልሶም ኣገዲዱ የፈርሞም ምህላዉ”ዮም ብምረት ዝገልጹ።