ብምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝወጸ “ሓድሽ ስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ”፡ ሃገሩ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ እተካይዶ ሽርክነት፡ ተኽእሎ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ንምዅላፍ ብቀዳምነት ከም እትሰርሕ ገሊጹ።
እቲ 33 ገጻት ዝሓዘ ሰነድ፡ “ቀዳምነት ኣመሪካ” ንዝብል መትከል ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዘራጕድ ኰይኑ፡ ድሌት ኣመሪካ እንታይ ክኸውን ኣለዎ፡ ድሌታ ንምርካብ እትከዶ መንገድታትን፡ ብኸመይ ምስ ስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት ግብራዊ ምትእስሳር ይህልዎን ዝብል፡ ሓባራዊ ርድኢት ንምፍጣር ዝወጽአ ኮይኑ፡ ኣመሪካ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝህልዋ ምትእስሳር፡ ኣብ ምኹላፍ ተኽእሎ ኲናት ኢትዮኤርትራ ተራ ክህልዎ ምኳኑ”ዩ ዘረጋግጽ።
እዚ 33 ገጻት ዝሓዘ ሓድሽ ሰነድ “ቀዳምነታት ኣመሪካ”፡ ምምሕዳር ትራምፕ ቅድሚኡ ካብ ዝነበሩ ስርዓታት ኣመሪካ ዝተፈልየ ሓድሽ ኣሰላልፋታት ዘንጸባረቐ ምምሕዳር ምኳኑ ዘንጸባረቀ ሰነድ ኮይኑ፡ ዝቀደመ ርክብ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ኣብ ረድኤት ዝተመርኰሰ ከም ዝጸንሐ ብምንቃፍ፡ ናብ ርክብ ንግድን ወፍርን ከም ዝቕየር”ዩ ዘብርህ።
ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ ክትገብሮ እትደሊ ሽርክነት፡ ኣብ ሰለማዊ ርግኣት ዝምርኮስ ምዃኑ ዛኣምን ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣብታ ኣህጉር ዘሎ ኲናትን ተኽእሎ ግጭታትን ንምእላይ ከም ዝሰርሕ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ውግእ ሓድሕድን፡ ኣብ መንጎ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ሩዋንዳን ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ዘተ ከም ዝካየድ ድሕሪ ምሕባሩ፡ እዚ ሓድሽ ሰነድ ኣብ ተክእሎ ምኲላፍ ኲናት ኢትዮኤርትራ ውን ዓቢ ተራ ክህልዎ ምኳኑ”ዩ ዘረድእ።
ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመን፡ ፕረዚደንት ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ፌሊክስን፡ ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስሓለፈ ሳምንታት ኣብ ዋሽንግተን ውዕል ሰላም ከም ዝኸተሙ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ “ሎሚ ንዓለምን ኣፍሪቃን ዓቢይ መዓልቲ እዩ” ዝበለ ዶናልድ ትራምፕ፡ ክልተአን ሃገራት ክኽበሩ ዝግብኦም ብዙሕ ነገራት ኣለወን ድሕሪ ምባሉ፡ ኣመሪካ ምስ ክልቲአን ሃገራት ዝሓሸ ንግዳዊ ሽርክነት ንምምስራት ዘኽእላ፡ ሓደስቲ ማዕጾታት ዝኸፍት ስምምዓት ከም ዝፈረመት”ዩ ዝገልጽ።
ኣመሪካ ምስ መሻርኽታ ሃገራት ‘ኳድ’ ብምዃን ውን፡ ኲናት ሱዳን ንምፍታሕ ተበግሶታት ከም ዝወሰደት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ መፋርቕ ናይ’ዚ ወርሒ ናብ ዋሽንግተን ዑደት ዘካየደ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ግጭት ሱዳን ኢዱ ከእቱ ብዝሓተቶ መሰረት፡ ትራምፕ፡ “ኣብ ጉዳይ ሱዳን ውን ክንሰርሕ ኢና፡ ምባሉ ኣይርሳዕን።
ሓድሽ ስትራተጂካዊ ሰነድ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ቀጺሉ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን (ከምኡ’ውን ሶማልያ) ክውላዕ ንዝኽእል ኲናት ንምኲላፍ ውን፡ ብዕቱብ ከም ዝሰርሕ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ማሳድ ብሉስ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ከምኡ’ውን ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ካይሮ ተራኺቡ ከም ዝተዘራረበን፡ ኣመሪካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዳግም ዕግርግር ካኣቱ ከምዘይተፍቅድን”ዩ ዝገልጽ።
“ጥምር ጦር” ዝብል ናይ ኲናት ሽርክነት ብምፍጣር፡ ኣብ ትግራይ ኲናት ዝፈጸሙ ህግደፍን ብልጽግናን፡ ኲናት ትግራይ ብውዕል ፕሪቶርያ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ሰሙናት ኣብ ዘይመለአ ግዜ ናብ ናይ ቃላት ኲናት ኣትዮም፡ ህዝቢ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ራዕዲ ክሽመምን፡ ከቢድ ደበና ኲናት ከንጠጥን ምኽንያት ኮይኖም ክሰርሑ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ክልቲኦም ሓይልታት ክገብርዎ ዝጸንሑ ናይ ምፍኽካር መንገዲ፡ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ከቢድ ቅልውላው ዝወስዶ ሓደገኛ ስጉምቲ ምኳኑ እታኣምን ኣመሪካ፡ ድሌታት ኲናት ክልቲኦም ሓይልታት ኣፍልጦ ከምዘይትህቦ”ያ ኣብዚ ሓድሽ ሰነድ ኣነጺራ ትርከብ።
ህግደፍን ብልጽግናን፡ ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ካብ ዝፈጸምዎን፡ ዝፍጽምዎ ዘለዉን ገበናት ንምህዳም፡ ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ሓደ ኣንጻር እቲ ሓደ ኣብ ዘፋጥጥ ኩነታት ክነብሩ ጌሮም ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብልጽግና ድምጺ ህዝቢ ንምርካብ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ኣፍደግር ባሕሪ ታህዲድን፡ ህግደፍ ካብ ሕቶ ህዝቢ ንምህዳም ዝጽሕትሮ ዘሎ ናይ ኲናት ተግባራቶምን፡ ብኣመሪካ ተነጺጉ ውሽጣዊ ሽግራቶም ክፈትሑ ክግደዱ ምኳኖም”ዩ እዚ ሓድሽ ሰነድ ዘነጽር።
እዚ ሰነድ ብተወሳኺ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ “ኲናት ግብጽን ኢትዮጵያን” ደው ከም ዘበለ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ግጭት ክልተ ሓይልታት ሱዳን፡ ዘይምቅዳው ኮንጎን ርዋንዳን፡ ናይ ቃላት ኲናት ህግደፍን ብልጽግናን፡ ቀዳምነታት ኣመሪካ ብምኳን ህጹጽ መግትኢ ክናደየሉ ምኳኑ”ዩ ዘረጋግጽ።