ኲናትን ዕግርግርን ዶንግይዎ ኣብ ምዕልባጥ ዝርከብ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ኣብ ግብጽን ሱዳንን ድሕሪ ዘካየዶ ምብጻሕ፡ ናይ ስራሕ ዑደት ንምፍጻም ናብታ ምሱኡ ተሰሊፋ ዘላ ሱዕዲ ዓረብ ከምዝገሸ ተገሊጹ።
ሰሉስ 9 ታሕሳስ መገሻ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ልኡልን ቀዳማይ ሚኒስተርን ሱዕዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ብዘቅረበሉ ዕድመ ዝተገብረ ምኳኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ናይ 4 መዓልታት ናይ ስራሕ ዑደት ክፍጽም ምኳኑን፡ ድሮ ውን ናብ ሪያድ ኣቅኒዑ፡ ምስ ሉኡል እታ ሃገር ተራኺቡ ምህላዉ”ዩ እቲ ዝተረከበ ሓበሬታ ዘረጋግጽ።
ወሃቢ ቃል ጉጅለ ህግደፍ የማነ ቻርሊ፡ ኣብ ናይ X ሕሳቡ ኣብ ዘቀመጦ ጽሑፍ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልታኣዊ ሽርንከት ዘተኮረ ዘተ ከምዘካይዱ እኳ እንተገለጸ፡ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ወፊርሉ ዘሎ ሽርክነት ግን፡ ኣንጻር ኢማራት ዓረብ ተፈጢሩ ንዘሎ ኣሰላልፋ ሱዳን ግብጺ ኤርትራን ሱዕዲ ዓረብን ንምሕያል ምኳኑ”ዩ ዝእመን።
ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕፋን ወትሩ ኣብ ኲናትን ዕግርግርን ተሓቢኡ ክነብር ዝመርጽ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብኢማራት ዓረብ ንዝድገፉ ሓይልታይ ብልጽግናን ቁልጡፍ ሓይሊ ሱዳን (ዳዕመል ሰሪዕን) ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምእላዮም፡ ናይ ሱዕዲ ዓረብ ተልእኾ ተቀቢሉ ኲናት ኣብ ምምሕዳር ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ስራሕ ዑደት ውን፡ ንፖለቲካ ኢትዮጵያን ሱዳንን ማእከል ዝገበረ እምበር፡ ንፖለቲካ ኤርትራ ዘትርፎ ጥቅሚ ከምዘይብሉ”ዩ ዝእመን።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብመንገዲ ብልጽግናን ቅልጡፍ ሓይሊሱዳን ፡ ሱዕዲ ዓረብ ከኣ ብመንገዲ ውልቀመላኺ ኢሰያስን ጀነራል ኣልቡርሃንን ኣቢለን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ፕሮክሲ ኲናት ወሊዐን ምህላወን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ ኲናት ዓንኬል ንኩሎም ተቃለስቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ምስ ግብጽን ሰራዊት ሱዳንን ኣላፊኑ ግጭት ዘመሓድር ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ናይ ሱዕዲ ዓረብ መገሹኡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣጀንዳ ክገብሮ ከምዘይኮነ ኣቀዲሙ ዝተፈትሐ”ዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንቀዳመይቲ ጥይት ተኲሱ ናብ ኲናት ክዕድሞ ኣብ ህንጡይነት ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ናይ ኢማራት ዓረብ ኣጀንዳ የተግብር ኣሎ ዝብሎ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ንምጥፋእ፡ ኣጀንዳ ሱዕዲ ዓረብ ተሰኪሙ ይከይድ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ፖከቲካ ቀርኒ ኣፍርቃ ገባርን ሓዳግን ናይ ምኳኑ ሸውሃቱ ንኸርዊ፡ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዘይምልከቶ ሓዊ ክጠፍእ ኣብ ምስራሕ ምህላዉ ውን ዝርሳዕ ኣይኮነን።
ኤርትራ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ወራሪት ሃገር ተባሂላ ክትስመ ዝፈረዳ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ትግራይ ዝወደቑ ሰማእታት እንከይነገረ፡ ናይ ጽምዶ ፖለቲካዊ ሽርክነት ብምፍጣር፡ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ እንዳበለ ወተሃደራዊ ሽርክነት ኣብ ምፍጣርን፡ ንመንግስቲ ብልጽግና ኣብ ምውጋድን ይደክም ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ዝገብሮ ዘሎ ዑደት ውን፡ ኪንዮ ደገፋት ወተሃደራዊ ወፍሪ ካልእ ዝጥቀስ ናይ ልምዓት ዝምድና ዝፈጥር ዘይምኳኑ ኣቐዲሙ ዝተፈትሐ”ዩ።