ጉጅለ ህግደፍ ኣባልነት ኤርትራ ካብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ከምዝስሓበ ድሕሪ ምግላጹ፡ እቲ ጉጅለ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ከምዝሓዘነ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ገሊጹ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቢሉ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ውድብ ኢጋድ ንኣባል ሃገራት እቲ ውድብ፡ ብፍላይ ከኣ ንኤርትራ ዕላማ ንምግባር ከም መሳርሒ ኮይኑ የገልግል ምህላዉ ዝከሰሰ ኮይኑ፡ ኢጋድ ከም ውድብ ዝተበገሰሉ “ሕጋዊ ሓላፍነት” ኣይፈጸመን ብምባል”ዩ ኤርትራ ካብቲ ውድብ ምስሓባ ገሊጹ ዝርከብ።
እቲ ካብ ኣስመራ ዝወጸ መግለጺ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኤርትራ ካብ ኣባልነት ውድብ ኢጋድ ክትስሕብ ዝወሰደቶ ውሳነ፡ ንዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ ብወግዒ ከምዘፍለጠቶ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሎሚ ኣማስያኡ ንመግለጺ ጉጅለ ህግደፍ ግብረመልሲ ዝሃበ ኢጋድ ብወገኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ዝመርሓ ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናብቲ ውድብ ካብ እትምለስ ኣትሒዛ፡ ኣብ ዝኮነ ይኩን ኣኼባታት ናይቲ ውድብ ከምዘይተሳተፈት ብምጥቃስ፡ ብውሳነ ጉጅለ ህግደፍ ከምዝሓዘነን፡ ዳግመ-ግምት ክትገብረሉ ከምዝግባእን”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ንንውሕ ዝበለ ዓመታት፡ ኣባልነታ ካብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ስሒባ ዝጸንሐት ናይ ጉጅለ ህግደፍ ኤርትራ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ 2023 ዳግማይ ናብቲ ውድብ ከምዝተመልሰት ዝዝከር ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሰነ 2023 ኣባልነት ኤርትራ ኣብቲ ውድብ ክሕደስ ዝመረጸሉ ምኽንያት፡ እቲ ውድብ ክጽገንን ሕሉፍ ጌጋታቱ ክእርምን ንዝቐረበሉ ምሕጽንታ፡ እዝኒ ክህብ’ዩ ካብ ዝብል ተስፋ ምንባሩን፡ እቲ ተስፋ ተግባራዊ ሰሪ ዘይምኳኑ ኣባልነቱ ምስሓቡን”ዩ ዘረድእ።
እቲ ዘሕዝን ፡ ውድብ ኢጋድ ካብ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ብምውጻእ፡ ንኣገዳስነቱን ሓላፍነታዊ መዝነቱን ኣብ ሓደጋ ምእታው ይቕጽሎ ኣሎ ዝበለ መግለጺ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንኩሉ ምክንያታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣባልነት ኤርትራ ክስሕቦ ምውሳኑ”ዩ፡ ኣብቲ ብቋንቋ እንግሊዝ ኣብ ልሳን ናይቲ ጉጅለ ዝኮነት ኤሪቲቪ ኣብ ዝወጸ መግለጺ ዘረድእ።
ኤርትራ ኣብ 1993 ናብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ክትጽንበር ዝገበረ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ 2007 ንህላወ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ብምቅዋም፡ ኣባልነት ኤርትራ ክድስግል ምግባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ዝቐጸለ ዓመታት ውድብ ኢጋድ ብመሪሕነት ኢትዮጵያ፡ ንምርግጋእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትህውኽ ኣላ ኢሉ ዝኸሰሳ ኤርትራ፡ እገዳታት ክግበር ንሕብረት ኣውሮጳን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጠለብ ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር”ዩ።
ምስ ጉዳይ ሶማል ዝተኣሳሰር ምኽንያት፡ ኣብ 2009 ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝተነብረ እገዳ፡ ውድብ ኢጋድን ኢትዮጵያን ወሳኒ ኢድ ከምዝተጻወቱ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሎሚ ጉጅለ ህግደፍ ኣባልነት ኤርትራ ክስሕብ ዝመረጸሉ እዋን ውን፡ ልክዕ ከምቲ ዝሓለፈ ህግደፍ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ደግሲ ምትፍናን ኣትይሉ ኣብ ዘሎ እዋን ዝተከስተ ምኳኑ”ዩ ዝንገር።
ውድብ ኢጋድ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ፡ ውሳነ ጉጅለ ህግደፍ ብዘይ ወግዓዊ ኣገባብ ከምዝበጽሖ ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕባ ትካላዊ ናይ ፖሊሲ ጽገናታት፡ ጭቡጥ እማመታትን ካልእን ኣመልኪቱ፡ ዝኮነ ይኹን ልዝብ ከየካየደ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምስሓብ ኣባልነት ዘሕዝን ምኳኑ”ዩ ገሊጽዎ ዝርከብ።
ጉጅለ ህግደፍ ናብ ውድብ ኢጋድ ካብ ዝተመልሰሉ ወርሒ ሰነ 2023 ጀሚሩ፡ ኣብ ኣኼባታት፡ ፕሮግራምን ንጥፈታትን ውድብ ኢጋድ፡ ዝኮነ ይኩን ተሳትፎ ከምዘይነበሮ ዝጠቀሰ እቲ ውድብ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንዝሓለፈ 3 ዓመታት ካብ ዝኮነ ይኩን ተሳትፎ ምእላዩ፡ ቤትጽሕፈት ኢጋድ ብትዕግስትን ሰናይ ድሌትን ክሪኦ ምጽንሑ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ኢጋድ ዳግማይ ንምርድዳእ ቅሩም ምህላዉን፡ ኤርትራ ዳግማይ ናብቲ ውድብ ንክትምለስ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውሳነታቱ ዳግመ ግምት ክገብር ከምዝጽበ”ዩ ዝገልጽ።
“ኢጋድ፡ ንረብሓ ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዓለመ ዞባዊ ምትሕግጋዝ”ዩ ዝበለ እቲ ካብ ጅቡቲ ዝወጸ መግለጺ፡ ኢጋድ ልዝብ ሓባራዊ ዕብየት ንምዕዋት ዝተዋህቦ ሓላፍነት፡ ጸኒዑ ክቕጽሎ ምኳኑ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ጉጅለ ህግደብ ኣብ ጉዳይ ኣባልነት ኤርትራ ዳግመ ግምት ክገብር ጸዊዑ።