ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ስምምዕ ኣልጀርስ ከኽብራን፡ ካብ ጎነጻዊ ኣካይዳ ክቁጠባን ጸዊዑ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ነዚ ዝገለጸ፡ ብምኽንያት ዝኽሪ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ስምምዕ ኣልጀርስ ብምዝካር ኣመልኪቱ ኣብ ዘስምዖ ቃል ኮይኑ፡ ውዕል ኣልጀርስ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ግጭት ከብቅዕን፡ ዘላቒ ሰላም ክልቲኤን ሃገራት ንክምስረትን ዘኽኣለን ስምምዕ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ክልቲኤን ሃገራት ንውሳነ እቲ ስምምዕ ከኽብራን ካብ ምትፍናን ከርሕቃን”ዩ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ዝገልጽ።
ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝረአ ዘሎ ዝተሓደሰ ወጥሪ፡ ንዞባዊ ሰላምን ርጋኣት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓቢ ስግኣት ምዃኑ ዝገለጸ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ኣልጀርስ ንዝከተሞኦ ውዕል ኣኽቢረን ኣብ ሰላማዊ መዳይ ከተኩራ ከምዝግባእ”ዩ ዝገልጽ።
እቲ ብመንገዲ ወሃቢ ቃል ዋና ጸሓፊ ስቴፋኒ ዱጃሪክ ዝወጸ መግለጺ፡ ሎሚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝነበረ ዶባዊ ግጭት ብወግዒ ዝዓጸወን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጎረባብቲ ሃገራት ሰላማዊ ዝምድና ክህሉ ዘኽኣለን፡ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ዝተፈረመሉ ዓቢ ትርጉም ዘለዎ መዓልቲ’ዩ ዝበለ ኮይኑ፡ ክልቲኤን ሃገራት ንዝክሪ 25 ዓመታት ውዕል ኣልጀርስ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ውዕል ዝኽበረሉ መንገዲ ሰላም ክኽተላ”ዩ ጻውዒቱ ኣቅሪቡ።
ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ መንጎአን ንዝተፈጥረ ናይ ዶብ ምስሕሓብ፡ ብዘላቒ ፍታሕ ደው ክብል ንዘካኣለ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ከኽብራን፡ በቲ ውዕል ተቀይደን ምህላወን ደጊመን ከረጋግጻን ዝጸውዐ ወሃቢ ቃል ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ነባሪ ሰላም ክምስረትን፡ ልኡላዊ ግዝኣታዊ ሓድነት ክልቲአን ሃገራት ከኽበርን፡ ሓላፍነቶም ክዋጹኡ ከምዝግባእ”ዩ ዘዘኻኽር።
ምስዚ ተኣሳሲሩ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ቅድሚ 7 ዓመት ዝጀመርኦ ሰላማዊ ዝምድናን ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን፡ ሓባራዊ ረብሓ ክልቲኦም ህዝብታት ኣብ ምርግጋጽ ከም ሰናይ ዕድል ክጥቀማሉ፡ መግለጺ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ዝጸውዐ ኮይኑ፡ ኪንዮ ክልቲኤን ሃገራት ብዝዘለለ ውን፡ ምስ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ማሕበረሰብ ዓለም ዘለወን ምትእስሳር ከሐይላ”ዩ እቲ ዋና ጸሓፊ ኣትሪሩ ዘተሓሳስብ።
ምትፍናን ክልቲኤን ሃገራት ሓደገኛ ስግኣት ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምኳኑ ዝጠቐሰ ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሰላም ንምዕባለን ክልታኣዊ ሽርክነትን እንተተበጊሰን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘይሕለል ኩለመዳያዊ ደገፋት ንምግባር ክሰርሕ ምዃኑ”ዩ ዘረጋግጽ።
ውዕል ኣልጀርስ፡ ድሕሪ”ቲ ብምስምስ መሬት ባድመ ዝፈለመን፡ ንኣስታት 2ዓመታት ዝቀጸለን ደማዊ ኲናት ኣብ ኣልጀርያ ዝተፈረመ ናይ መወዳእታን ቀያድን ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ዝሓንጸጸ ውዕል ኮይኑ፡ ፖለቲካዊ መሳርሒ ኮይኑ ንዝሓለፈ 25 ዓመታት ኣብ ባይታ ከይተተግበረ ይቅጽል ምህላዉ ዝፍለጥ”ዩ።