ደቡብ ሱዳን መስመር ነዳዲ ሄግሊግ ንምሕላው ናብ ሱዳን ሰራዊት ከምዝለኣኸት ኣፍሊጣ።
ቅድሚ ዝተወሰነ መዓልታት ዕጡቃት ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ሱዳን፡ ንቀንዲ ስመር ሻምብቆ ነዳዲ ሱዳን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘእተወ ድሕሪ ምግላጹ፡ ደቡብ ሱዳን ንቀንዲ መስመር ሻምብቆ ነዳዲ ሱዳን ንምሕላው፡ ሰራዊታ ናብ ሱዳን ከምዝለኣከት ኣፍሊጣ።
ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ደቡብ ሱዳን ዝኮነ ጀነራል ፖል ናንግ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምውፋር ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ናብ መስመር ሻምብቆ ነዳዲ ሱዳን፡ ብፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር፡ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ከሙኡ ውን ኣዛዚ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ሕሚቲ ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተን ዝበጽሕዎ ሓባራዊ ስምምዕን ዝተገብረ ምኳኑ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ደቡብ ሱዳን ብ ኣፍልጦ ክልቲኦም ሓይልታት ሰራዊት ናብ ሱዳን ካኣትዉ ምግባራ”ዩ ዝገልጽ።
ክልቲኦም ወገናት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን፡ እቲ መስመር ሻምብቆ ነዳዲ፡ ንኽልቲአን ሃገራት ኣገዳሲ ምኳኑን፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ክሕሎ ከምዘለዎን ምስምምዖም ዝገለጸ እቲ ጀነራል፡ ብመሰረት ስሉሳዊ ስምምዓቶም ሰራዊት ደቡብ ሱዳን ንመስመር ነዳዲ ሄግሊግ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር የእትዩዎ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
በዚ መሰረት እቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝፈሪ ዘሎ ነዳዲ፡ ብመስመር ሻምብቆ ነዳዲ ሱዳን ኣቢሉ፡ ብዘይዝኮነ ጸገም ይመሓላለፍን ብፖርት ሱዳን ኣቢሉ ናብ ዕዳጋ ዓለም ይቐርብ ምህላዉን ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ከም ውጽኢቱ ደቡብ ሱዳን ዝኾነ ይኩን ሽግራት እንከየጋጠማ ንግዳዊ ንጠፋታታ ተተግብር ምህላዋ”ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዘረድእ።