ኡጋንዳ ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ናብታ ሃገር ንዝውሕዙ ሓደሽቲ ስደተኛታት፡ ክትህቦ ዝጸንሐት ዑቅባ ናይ ምሃብ መስርሕ ደው ክብል ምግባራ፡ ኣተሓሳሳቢ”ዩ ክብል ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ስክፍቱኡ ገሊጹ።
እቲ ረፊዩጅ ኢንተርናሽናል ዝተሰምየ ዓለምለካዊ ትካል ሰብኣዊ መሰል ስደተኛታት፡ ኡጋንዳ ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ናብታ ሃገር ንዛኣትዉ ስደተኛታት፡ ሕቶ ዑቅባ ንከይትህብ ዝወሰደቶ ስጉምቲ “ኣተሓሳሳቢ ውሳነ”” እዩ ክብል ዝገለጾ ኮይኑ፡ እቲ ውሳነ ንሕሉፍ ሰናይ ምስሊ እታ ሃገር ውን ክድውን ከምዝኮነ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ትውልዲ ዜግነት ጥራይ ዝተመስረተ ዑቕባ ናይ ምሃብን ምኽልካልን ተግባራት ኡጋንዳ፡ ንኣህጉራዊ ሕጊ ስደተኛታት ዝጥሕስ እዩ ዝበለ እቲ ዓለምለካዊ ትካል፡ እዚ ሓድሽ ገደብ ናብታ ሃገር ንዛኣትዉ ዘለዉ ሓደስቲ ስደተኛታት፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ዕንክሊል ካኣትዉን፡ ግዳይ ምዝመዛን ግህሰት ሰባኣዊ መሰላትን ንክኾኑ የቃልዖም ምህላዉ”ዩ ዝኸስስ።
ትካል ረፊዩጅ ኢንተርናሽናል ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኣብታ ሃገር ንዝሰረተን፡ ሓቋፊ ስደተኛታት ንዝኮነን ዘኩርዕ ባህሊ ኡጋንዳ፡ ብገዚፍ ጸሊም ምስሊ ይድውኖ ምህላዉ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ከም ሳዕቤኑ ንኡጋንዳ ዝወሃብ ዝነበረ ገንዘባዊ ሓገዛት ብዓቢ ቁጽሪ ምጉዳሉ፡ ንስርዓተ ዑቕባ እታ ሃገር ብኸቢድ ሃስዩዎ ምህላዉ”ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ንብርክት ዝበለ ዓመታት ነታ ሃገር ክውድሱ ዝጸንሑ ለገስቲ መንግስታት ዓለም፡ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ስደተኛታትን ሕብረተሰብ እታ ሃገርን ዝጭበጥ ደገፋት ብምግባር፡ መብጽዖኦም ከተግብሩን ንፋይናንሳዊ ጾር እታ ሃገር ከቃልሉን ዝጸውዐ ረፊዩጅ ኢንተርናሽናል፡ ኡጋንዳ ውን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ንዝጸንሓ ሰናይ ምስሊ ክትቅጽሎ ከምዝግባእ”ዩ ጻውዒቱ ኣቅሪቡ ዝርከብ።
ኡጋንዳ ኣብዚ ሕጅ ሰዓት ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያን ሶማላውያንን ስደተኛታት ዝነብሩላ ሃገር ምኳኑ ዝፍለጥ እዩ ዝበለ እቲ ዓለምለካዊ ትካል፡ ብፍላይ ኣመሪካ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ኡጋንዳ ንምልኣኽ ስምምዕ ፈሪማ ክንሳ፡ ነታ ሃገር እተግብሮ ዝነበረት ሓገዛት ብዕጽፊ ክጎድል ምግባራ፡ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ከቢድ ተጽዕኖ ከምዘለዎ”ዩ ዝኸስስ።
ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ተሰዲዶም ናብታ ሃገር ዛኣትዉ ስደተኛታት፡ ጽቡቕ ኣቀባብላ ስደተኛታትን፡ ናብ ካልእ ሃገር ናይ ምግዓዝ ዕድላትን ኣብ ዝጸንሓ ኡጋንዳ፡ ብሰላም ምንባር ከምዝመርጹ ወሲኲ ዝተገልጸ እቲ ትካል፡ ኡጋንዳ ንዜጋታት ሰለስቲኤን ሃገራት ክትህቦ ዝጸንሐት ናይ ዑቅባ መሰል ደው ክብል ምግባራ ኣተሓሳሲብዎ ምህላዉን፡ ሃገራት ዓለም ቆላሕታ ክገብራሉን”ዩ ዝጽውዕ።