ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ሮድ ኣይላንድ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ባሩስ ኤንድ ሆሊ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ክልተ ሰባት ከምዝተቀትሉን ትሽዓተ ከምዝቆሰሉን ተገሊጹ።
እቲ ኣብ ከተማ ፕሮቪደንስ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ናይ መወዳእታ ፈተና ኣብ ልዕሊ ዝወስዱ ዝነበሩ ተመሃሮ ዝተፈጸመ ምኳኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ተኹሲ ብምኽፋት መጥቃዕቲ ፈጺሙ ንዝተሰወረ ጥርጡር ንምሓዝ፡ ከቢድ ሃድን የካይዱ ምህላዎም”ዩ ዝገልጽ።
ዩኒቨርሲቲ ባሩስ ኤንድ ሆሊ፡ ቅድሚ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጠበንጃ ሒዙ ዝትኩስ ውልቀሰብ ኣብ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ተምሃሮ እንተኽኢሎም ክሃድሙ፡ እንተዘይኪኢሎም ከኣ “ማዕጾ ክፍልታት” ክዓጽዉን፡ ድምጺ ሞባይላቶም ‘ሳይለንት’ ክገብሩን ዝሕብር መምርሒታት ይህብ ምንባሩ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ በቲ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ከም ዝተጐድኡን፡ ቁጽሪ ግዳያት ንምርግጋጽ ምርመራ የካይድ ከም ዘሎን”ዩ ፖሊስ እቲ ከባቢ ዝገልጽ።
ከንቲባ እታ ከተማ ብሬት ስማይሊ፡ በቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ከም ዝተቐተሉን፡ ብኸቢድን ፎኪስን ዝተጐድኡ ካሎኦት ትሽዓተ ውን ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወሰዱን ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ቁጽሪ ግዳያት ክውስኽ ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ ተመሃሮ እቲ ዩኒቨርስቲ እቲ ከባቢ ኣብ ገዞኦም ተዓቚቦም ክጸንሑ ኣጠንቂቑ።
ውጻዕ መዓት ብምኳን ካብቲ መጥቃዕቲ ዘምለጡ ተምሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ፡ ነቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘሻቕል ብምባል ዝገለጽዎ ኮይኖም፡ 3ይ ርእሱ ኣብ ቤተ ፈተነ ዝነበረ ቼንግ፡ መብራህቲ ኣጥፊእና ኣብ ትሕቲ ጠረጴዛ ክንሕባእ ወሲንና፡ ንክልተ ሰዓታት ከኣ ኣብ ትሕቲ ጠረጴዛ ተሓቢእና ክብል”ዩ ነቲ ኩነታት ዝገልጾ።
ምክትል ሓለቓ ፖሊስ ፕሮ’ቪደንስ ቲም ኦ’ሃራ ብወገኑ: እቲ ጥርጡር “ሙሉእ ብሙሉእ ጸሊም ዝተኸደነ ሰብ” ከም ዝኾነን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ምስ ፈጸመ ብጐደና ሆፕ ብእግሩ ከም ዝሃደመን ዝገለጸ ኮይኑ፡ ምስሊ ሲሲቲቪ ውን፡ ጸሊም ኽዳን ዝተኸደነን ገጹ ዘይረኣይን ጥርጡር፡ ካብ ህንጻ እቲ ዩኒቨርሲቲ ክወጽእ ከምዘራኣየ፡ ይኩን እምበር እቲ ውልቀሰብ ኣብቲ ምስሊ ጠበንጃ ከምዘይሓዘን”ዩ ዝንገር።
ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ጥርጡር ፈጻሚ ገበን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምህላዉ፡ ንስድራ ግዳያትን ጽንዓት ኣብ ዝተመነየ ጽሑፉ ኣቀዲሙ ገሊጹ እኳ እንተነበረ፡ ድሒሩ ግና ፖሊስ እቲ ዩኒቨርሲቲ ጥርጡር ፈጻሚ ገበን ኣብ ቀይዲ ከም ዘይውዓለ ብምግልቅጹ፡ ትራምፕ እቲ ኣቐዲሙ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ትኽክል ከምዘይኾነ ሓቢሩ።
ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “እቲ ጥርጡር ኣይተትሓዘን፡ ክንገብሮ ንኽእል ነገር ነቶም ግዳያትን ብጣዕሚ ዝተጐድኡን ምጽላይ’ዩ፡ ዘሎ ምዕባለታት ከኣ ጸኒሕና ክንሕብረኩም ኢና… ዝበለ ኮይኑ፡ ኣመሓዳሪ ሮድ ኣይላንድ ዳን ማኪ ብወገኑ፡ ነቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብራውን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብቕርበት ይከታተልዎ ከምዘለዉ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።