ኣብ ከተማ ኣልፋሻር ኣብ ዝተፈጸመ ኣሰቃቒ ገበናት ኲናት፡ ንህጹሃን እንዳቀንጸለ ብቪዲዮ ዝተቓልዐ ሓደ ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ብመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ እገዳ ከምዝተገብረሉ ተገሊጹ።
እቲ ‘ኣቡ ሉሉ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ብርጋዴር ጀነራል፡ ምሉእ ስሙ ኣልፋታሕ ዓብደላ እድሪስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ንኣል-ፋሽር ድሕሪ ምቁጽጻሩ፡ ብውሕዱ ልዕሊ ዓሰርተ ዕጥቂ ዘይብሎም ምሩኻት ብጥይት እንዳቀንጸለ ብቪድዮ ድሕሪ ምቅልዑ፡ ገበናቱ ክምርምር ዝጸንሐ መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ኣብ ልዕሊ”ቲ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዳዕመል ሰሪዕ እገዳ ከምዘጽንዐ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኣብ’ቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ገበናት፡ ሰራዊት ሱዳን ካብ ከተማ ኤል-ፋሽር ድሕሪ ምስሓቡ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰለማውያን ዜጋታት ብዕጡቃት ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዝተቐትሉ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ሱዳን ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ፡ ኣብ ሕልና ዓለም በሰላ ምኳኑን፡ ብዘይ ዝኮነ መቅጻዕቲ ክሕለፍ ከምዘይብሉን”ያ፡ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ይቨት ኩፐር ትገልጽ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ ዓብዱልራሒም ሓምዳን ዳጋሎ ኣብ ልዕሊ ዝርከቦም ካልኦት ሰለስተ ኣዘዝቲ ናይቲ ዕጡቅ ሓይሊ ውን፡ ተመሳሳሊ እገዳ ኣጽኒዓ ምህላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ወርሒ ሕዳር እገዳ ዝገበረሉ ሓምዳን ዳጋሎ ሕሚቲ፡ ከተማ ኤል-ፋሽር ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር RSF ድሕሪ ምእታዋ ኣብ ዝነበረ ሰዓታት፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ መደበር ሰራዊት ክዘውር እንከሎ ኣብ ሓደ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ከምዝተራእየን፡ ኣብ ቅድሚኡ ዝተፈጸመ ክኸውን ከምዝክእልን”ዩ ዝእመን።
3ይ ዓመቱ ዝሕዝ ዘሎ ግጭት ሓድሕድ ሱዳን ካብ ዝውላዕ ንንየው፡ ልዕሊ 100ሽሕ ዝቁጽሮም ዜጋታት እታ ሃገር፡ ብሰንኪ”ቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ሂወቶም ምሳኣኖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣስታት 12 ሚልዮን ሲቪል ሱዳናውያን ውን፡ ቤት ንብረቶም ሓዲጎም ጎረባብቲ ሱዳን ናብ ዝኮና ሃገራት ክስደዱ ከዝተገደዱ”ዩ፡ ጸብጻብ ውድብ ሑብራት ሃገራት ዘነጽር።