ኣመሪካ ንዜጋታት ኢትዮጵያ ትህቦ ዝነበረት ግዝያዊ ሕጋዊ ከለላ ከምዘቋረጸትን ንዓዶም ክምለሱ ከምዝኽእሉን፡ ምምሕዳር ዲናልድ ትራምፕ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ፡ በዚ ምኽንያት ኣብ ትሕቲ”ዚ ሕጋዊ ናይ ከለላ መስርሕ ተዓቒቦም ዝጸንሑ 5,001 ኢትዮጵያውያን፡ ካሎኦት ከመልክቱ ዝጽበዩ ልዕሊ 260 ዜጋታትን ግዳይ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተገሊጹ።
ኣመሪካ ድሕሪ እቲ ኣብ 2020 ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ግጭት፡ ንዜጋታት ኢትዮጵያ ግዝያዊ ሕጋዊ ከለላ ክትህብ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነዚ መሰል እዚ ተጠቂሞም ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ኣብታ ሃገር ክነብሩ ዝጸንሑ ዜጋታት ኢትዮጵያ ካብ ሕጂ ንንየው ከለላ ክግበረሎም ከምዘይኮነ”ዩ ውሳነ ትራምፕ ዝገልጽ።
እቲ ውሳነ ቅድሚ ምውሳኑ፡ ኣመሪካ ንህልው ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪታ ምስ ዝምልከቶም ትካላት መንግስቲ ከምዝተዘራረበት ዝገልጽ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኩነታት ኢትዮጵያ ስለዝተረጋገአ፡ ኣመሪካ ኣብ ትሕቲ ናይ ከለላ ጽላል ከተንብሮም ዝጸንሐት ዜጋታት ካብ ሃገራ ክወጹ ከምእተገድድ ‘ዩ ዝግለጽ።
እቲ ብመንግስቲ ጆ ባይደን ንዜጋታት ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ሕጋዊ ከለላ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ግጭት ብምህላዉ፡ ውልቀሰባት ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ብሰንኪ እቲ ግጭት ኣብ ሂወቶም ናይ ጸጥታ ሓደጋ ክበጽሖም ከምዝክእልን፡ ዜጋታት ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ንኸይምለሱ ዝዓግት ግዝያዊ ጸገም ምህላው፡ ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ንግዚኡ ኣብ ኣመሪካ እንተዝጸንሑ ውን ምስ ሃገራዊ ረብሓታት ኣመሪካ ዝጋጮ ዘይምኳኑን ኣብ ግምት ብምእታው ዝተዋህበ ሕጋዊ ግዚያዊ መሰል ኮይኑ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ግን ኢትዮጵያ ናብ ርጉእ ኩነታት ስለዝተመልሰት ክወጹ ኣለዎም በሃላይ”ዩ።
ኣመሪካ ካብ 2020 ጀሚሩ ኣብ ክልላት ትግራይን ኦሮምያን ብዝተፈጠረ ጎንጽታት፡ ዜጋታት ኢትዮጵያ ግዝያዊ ከለላ ንኽረኽቡ ኣገዲዱ ምጽንሑ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ኲናት ትግራይ ብስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ምዝዛሙን፡ መንግስቲ ፈደራል ውን ብስምምዕ ሰላም ተቐይዱ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ምስሓቡን ብምጥቃስ፡ ሎሚ ዜጋታት ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ክኸዱ ጸገም ከምዘየለ’ዩ ዘረድእ።
ኣመሪካ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ግጭት ውን ብተመሳሳሊ፡ ምስ ምዝዛም ኲናት ትግራይ ከምዝሃድአ እኳ እንተገለጸት፡ እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈደራልን ዕጡቃት ፋኖን ዝተወለዐ ግጭት ግን ዛጊት ከምዘይሃደአን፡ ንጹሃት ዜጋታት ውን ግዳይ መጥቃዕቲ ይኮኑ ምህላዎም”ዩ ዝሕበር።
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጸጥታ ኣመሪካ፡ 5,001 ኢትዮጵያውያን ሕጋዊ ግዚያዊ ከለላ ተዋሂብዎም ክነብሩ ምጽንሖም ዝገልጽ ኮይኑ፡ ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ውን ተወሳኺ 263 ሰባት ግዚያዊ ከለላ ሓቲቶም ምንባሮም ዝገልጽ ኮይኑ፡ ምስ ሓድሽ ውሳነ ምምሕዳር ትራምፕ ግን ኩነታቶም ኣብ ሓደጋ ኣትዩ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።